ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 18

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ ይልለዩ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ ይልለዩ፧

ቢልዮናት ሰባት ክርስትያናት ኢና ይብሉ እዮም። ኵላቶም ግና ሕደ እምነት የብሎምን፡ ብሕደ ስርዓታት እውን ኣይመላለሱን እዮም። እሞ ደኣ ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧

1. ክርስትያን እንታይ እዩ፧

ክርስትያናት፡ ደቀ መዛሙርቲ ወይ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 11:26 ኣንብብ።) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃኖም ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧ የሱስ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 8:31) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንትምህርትታት የሱስ ኪእዘዙ ኣለዎም ማለት እዩ። ከምቲ ትምህርትታት የሱስ ወትሩ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ፡ እምነታት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዚምስረት።—ሉቃስ 24:27 ኣንብብ።

2. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፍቕሪ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:12) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዜፍቅሮም ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ ምሳታቶም ግዜ ኣሕሊፉን ኣተባቢዕዎምን ሓጊዝዎምን እዩ። ህይወቱ እውን ምእንታኦም ኣሕሊፉ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:16) ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ፍቕሪ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ ይገብሩ እዮም። ንሓድሕዶም ከም ዚፋቐሩ ብቓሎምን ብግብሮምን የርእዩ እዮም።

3. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ንጥፈታት እዮም ትሑዛት ዚዀኑ፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዕዮ ሂብዎም እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ . . . ለኣኾም” ዚብል ነንብብ። (ሉቃስ 9:2) ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ቦታታት ኣምልኾኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ቦታታትን ኣብ ኣባይቲ ሰባትን እውን ይሰብኩ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 17:17 ኣንብብ።) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ዅሉ ቦታ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሰብኩ እዮም። ንሰባት ስለ ዜፍቅሩ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ተስፋን ምጽንናዕን ንምንጋር ግዜኦምን ጕልበቶምን ተሓጒሶም ይውፍዩ እዮም።—ማርቆስ 12:31

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቶም ንትምህርትታትን ኣብነትን የሱስ ዘይስዕቡ ሰባት ብኸመይ ክትፈልዮም ከም እትኽእል ርአ።

4. ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ይደልዩ

ቀዳሞት ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢሮም ይርእዩ ነበሩ

ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ዅሎም ኣይኰኑን ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ገሊአን ኣብያተ ክርስትያን ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዘይምህራ ብኸመይ እየን፧

የሱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ እዩ ምሂሩ። ዮሃንስ 18:37 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ብመሰረት የሱስ፡ “ካብ ሓቂ” ዝዀነ ክርስትያን ብኸመይ ከነለልዮ ንኽእል፧

5. ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰብኩ

ቀዳሞት ክርስትያናት ንሰባት ይሰብኩሎም ነበሩ

የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንሰዓብቱ ኽሳዕ ሎሚ ዚቕጽል ተልእኾ ሂብዎም ነይሩ እዩ። ማቴዎስ 28:19, 20 ግብሪ ሃዋርያት 1:8ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቲ ዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሰፍሕ እዩ ተነጊሩ ነይሩ፧

6. ከምቲ ዚሰብክዎ ዀይኖም ይመላለሱ

ንሓደ ቶም ዝስሙ ሰብኣይ ናይ ሓቂ ክርስትና ኸም ዝረኸበ ዘእመኖ እንታይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ቶም ብሃይማኖት ተስፋ ኸም ዚቘርጽ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

  • ሓቂ ኸም ዝረኸበ ዝኣመነ ስለምንታይ እዩ፧

ተግባር ካብ ቃል ንላዕሊ ይዛረብ እዩ። ማቴዎስ 7:21 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንየሱስ ብዝያዳ ዜገድሶ እንታይ እዩ—እቲ ብኣፍና ንኣምነሉ ኢና እንብሎ ድዩ፡ ወይስ እቲ ብተግባርና እነርእዮ፧

7. ንሓድሕዶም ይፋቐሩ፧

ቀዳሞት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ይፋቐሩ ነበሩ

ክርስትያናት ምእንቲ ክርስትያናት ብጾቶም ኢሎም ብሓቂዶ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ሎይድ ምእንቲ ሓውና ጆንሰን ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

  • ግብሪ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዝገበረዶ ይመስለካ፧

ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፡

  • ደቀ መዛሙርቲ የሱስ (ናይ ሓቂ ክርስትያናት)፡ ካብ ካልእ ዓሌት ወይ ዜግነት ንዝዀኑ ሰባት ብኸመይ ይሕዝዎም፧

  • ብግዜ ውግእ ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ክርስትያናት ዜስካሕክሕ ነገር ገይሮም እዮም። ከመይ ገይሩ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኪህልዎም ይኽእል፧”

  • ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ከነለልየሉ እንኽእል እንታይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተርኢ ምኸኣልካ፧

ጽማቝ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይስዕቡ፡ ጥቕሚ ርእሳ ዘይትደሊ ፍቕሪ የርእዩ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸኣ ይሰብኩ።

ክለሳ

  • እምነት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ምንታይ እተመስረተ እዩ፧

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብምንታይ ባህርያት እዮም ዚልለዩ፧

  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ዕዮ እዮም ዚዓይዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብዛዕባ እቶም ኣብነትን ትምህርትታትን የሱስ ክርስቶስ ኪስዕቡ ዚጽዕሩ ጕጅለ ፍለጥ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እንታዎት ኢና፧ (1:13)

ሓንቲ ድንግል ካቶሊክ ዝነበረት ብኸመይ “ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ስድራ ቤት” ከም ዝረኸበት ርአ።

“ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሚያዝያ 2014)

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቶም ረድኤት ዜድልዮም ክርስትያናት ብጾቶም ብኸመይ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዜርእይዎም ርአ።

ኣብ እዋን ሓደጋ፡ ንኣሕዋት ዚግበር ደገፍ—ቍንጽል (3:57)

ቀዳሞት ክርስትያናትን ሕጂ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ነቲ የሱስ መለለዪ ሰዓብቱ ገይሩ ዝጠቐሶ ነገር ብኸመይ ከም ዜማልኡ መርምር።

“ናይ ሓቂ ክርስትና መለለዪኡ እንታይ እዩ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 መጋቢት 2012)