ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 26

እከይን መከራን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

እከይን መከራን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

መከራ ኼጋጥም ከሎ፡ “ስለምንታይ፧” እትብል ሕቶ ትለዓል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንጹር መልሲ ዚህበና ምዃኑ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ።

1. ሰይጣን ናብ ዓለም እከይ ዘተኣታተወ ብኸመይ እዩ፧

ሰይጣን ድያብሎስ ካብ ኣምላኽ ዓለወ። ሰይጣን ንኻልኦት ኪገዝኦም እዩ ዚደሊ፣ ስለዚ፡ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ዕልወቱ ኺሓብርዎ ጸለዎም። ከምኡ ንምግባር፡ ንሄዋን ሓሰዋ። (ዘፍጥረት 3:1-5) የሆዋ ንዓኣ ጽቡቕ ነገር ከም ዝኸልከላ ገይራ ኸም እትሓስብ ድማ ገበረ። ሰባት ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዞም፡ ብዝያዳ ሕጉሳት ከም ዚዀኑ እውን ኣመተ። ንሄዋን ከም ዘይትመውት ብምንጋር ከኣ፡ ቀዳማይ ሓሶት ተዛረበ። በዚ ኸምዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን፡ “ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ዮሃንስ 8:44

2. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ እዮም ሓርዮም፧

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ብዙሕ እዩ ለጊሱሎም ነይሩ። ብዘይካ ኻብ ሓንቲ ኦም ድማ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኤደን ኪበልዑ ፈቒዱሎም ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:15-17) ንሳቶም ግና ካብ ፍረ እታ እተኸልከለት ኦም ኪበልዑ ወሰኑ። ሄዋን “ካብ ፍሪኣ ወሲዳ . . . በልዐት።” ድሕሪኡ፡ ኣዳም እውን “በልዐ።” (ዘፍጥረት 3:6) ክልቲኦም ትእዛዝ ኣምላኽ ጠሓሱ። ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ስለ ዝነበሩ፡ ቅኑዕ ምግባር ንዓታቶም ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ብፍታዎም ትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓሶም ግና ሓጥኡ፡ ንግዝኣቱ እውን ነጸግዎ። እቲ ውሳነ እቲ፡ ብዙሕ መከራ ኣስዓበሎም።—ዘፍጥረት 3:16-19

3. ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ውሳነ ብኸመይ ይጸልወና፧

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ ዘይፍጹማት ኰኑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዘይፍጽምና ናብ ኵሎም ዘርኦም ኣመሓላለፉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዳም፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ይብል።—ሮሜ 5:12

ብእተፈላለየ ምኽንያታት መከራ የጓንፈና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ውሳነታትና እዩ መከራ ዜጓንፈና። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ውሳነታት ስለ ዝገበሩ እዩ መከራ ዜጓንፈና። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ሕማቕ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሕና እዩ መከራ ዜጓንፈና።—መክብብ 9:11 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ኣምላኽ በቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ እከይን መከራን ስለምንታይ ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ፡ ንሕና ኽንሳቐ ኸለና ድማ ከመይ ከም ዚስምዖ ርአ።

4. ጠንቂ መከራና

ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ንብዘላ ዓለም ከም ዚቈጻጸራ ይኣምኑ እዮም። እዝስ ሓቂ ድዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት

ያእቆብ 1:13 1 ዮሃንስ 5:19ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣምላኽ ብመከራን ብእከይን ተሓታቲ ድዩ፧

5. ግዝኣት ሰይጣን ዘስዓቦ ሳዕቤናት

ዘፍጥረት 3:1-6 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ሰይጣን እንታይ ኢሉ እዩ ሓስዩ፧—ፍቕዲ 4ን 5ን ርአ።

  • ሰይጣን ንየሆዋ፡ ንሰባት ጽቡቕ ነገር ይኸልኦም ከም ዘሎ ኣምሲሉ ዝኸሰሶ ብኸመይ እዩ፧

  • ከምዚ ሰይጣን ዝበሎ እንተ ዀይኑ፡ ሰባት ሕጉሳት ንምዃን ንየሆዋ ኺግዝእዎ የድልዮም ድዩ፧

መክብብ 8:9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብዛ የሆዋ ገዛኢኣ ዘይኰነት ዓለም፡ እንታይ እዩ ዀይኑ ዘሎ፧

  1. ሀ. ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት እዮም ነይሮም፡ ኣብ ገነት እውን እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ዘረባ ሰይጣን ሰሚዖም ካብ የሆዋ ዓለዉ

  2. ለ. ድሕሪ እቲ ዕልወት፡ ዓለም ብሓጢኣትን ብመከራን ብሞትን መሊኣ ኣላ

  3. ሐ. የሆዋ ንሓጢኣትን ንመከራን ንሞትን መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ሰባት ድማ ከም ብሓድሽ ፍጹማት ኰይኖም ኣብ ገነት ኪነብሩ እዮም

6. መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ይሓልየልና እዩ

ኣምላኽ ብመከራና ዘይግድሶ ድዩ፧ ንጉስ ዳዊትን ሃዋርያ ጴጥሮስን እንታይ ኢሎም ከም ዝጸሓፉ ርአ። መዝሙር 31:7 1 ጴጥሮስ 5:7ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ኸም ዜስተብህለልናን መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ኸም ዚሓልየልናን ምፍላጥካ፡ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

7. ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ደቂ ሰብ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

ኢሳይያስ 65:17 ራእይ 21:3, 4ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንዅሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዘጋጠሞም ክፉእ ነገራት ከም ዜዐርዮ ምፍላጥና ስለምንታይ እዩ ዜጸናንዓና፧

ትፈልጥዶ፧

ሰይጣን ናይ ፈለማ ሓሶት ኪሕሱ ኸሎ፡ ንየሆዋ ሓምይዎ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ የሆዋ ኸም ፍትሓውን ፈቃርን ገዛኢ መጠን ዝነበሮ ስም ኣጸሊምዎ እዩ። የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ መከራ ደቂ ሰብ ምስ ኣዐረዮ፡ ሓቅነቱ ኼረጋግጽ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ግዝኣቱ ብሓቂ ብሉጽ ምዃኑ መርትዖ ኬቕርብ እዩ። ምርግጋጽ ስም የሆዋ ኣብ ዩኒቨርስ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መከራ ኽፍሊ ዕላማ ኣምላኽ እዩ።”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

ሰይጣን ድያብሎስን እቶም ቀዳሞት ክልተ ሰባትን በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ እከይ፡ ቀንዲ ተሓተትቲ እዮም። መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ይሓልየልና እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ፡ ንዅሉ መከራና ኼዐርዮ እዩ።

ክለሳ

  • ሰይጣን ድያብሎስ ንሄዋን እንታይ ኢሉ እዩ ሓስዩዋ፧

  • ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ንዅላትና ብኸመይ እዩ ጸልዩና፧

  • መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ተምሃር።

“ሓጢኣት እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ገነት ኤደን ዘበገሶ ጕዳይ ተወሳኺ ኣንብብ።

“ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ጥሪ 2014)

ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዚርእዮ ዝነበረ መከራ እንታይ ከም እተረድአ ርአ።

ሕጂ በይነይ ኣይኰንኩን (5:09)