ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 30

እትፈትዎም ሰብካ መሊሶም ህያዋን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም!

እትፈትዎም ሰብካ መሊሶም ህያዋን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም!

ሞት ብዙሕ ሓዘንን ጓህን እዩ ዜስዕበልና። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት፡ ጸላኢ ኢሉ ዚጽውዖ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ኣብ ትምህርቲ 27፡ የሆዋ ነቲ ጸላኢ እቲ ኸም ዚስዕሮ ተማሂርካ ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ድሮ ዝሞቱ ሰባት እንታይ እዮም ኪዀኑ፧ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዘተስፈወና ዜደንቕ ተስፋ ኽትምሃር ኢኻ። የሆዋ ንቢልዮናት ሰባት፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ ዳግም ህያዋን ኪገብሮም እዩ። እወ፡ ኬተንስኦም እዩ! እዝስ ብሓቂዶ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧ እቶም ዚትንስኡኸ፡ ኣብ ሰማይ ድዮም ኪነብሩ ወይስ ኣብ ምድሪ፧

1. የሆዋ ሞይቶም ንዘለዉ እንፈትዎም ሰባት እንታይ እዩ ኺገብረሎም ዚደሊ፧

የሆዋ ንምዉታት ዳግም ህያዋን ኪገብሮም ይናፍቕ እዩ። እዮብ ዝስሙ ናይ እምነት ሰብ፡ ምስ ሞተ ኣምላኽ ከም ዘይርስዖ ብጽኑዕ ይኣምን ነይሩ እዩ። ስለዚ ንኣምላኽ፡ “ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን [ካብ መቓብር] ክምልሰልካ እየ” ኢልዎ እዩ።—እዮብ 14:13-15 ኣንብብ።

2. ምዉታት ከም ዚትንስኡ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣምላኽ ንዕኡ፡ ንምዉታት ኬተንስእ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ንሱ ድማ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመትን ንሓደ ወዲ መበለትን ዳግም ህያዋን ገይርዎም እዩ። (ማርቆስ 5:41, 42፣ ሉቃስ 7:12-15) ድሕርዚ፡ የሱስ ንዓርኩ ኣልኣዛር ኣተንሲእዎ እዩ። ኣልኣዛር ካብ ዚመውትን ዚቕበርን ራብዕቲ ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ዳግም ህያው ገይርዎ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ናብ ኣምላኽ ድሕሪ ምጽላይ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ጨደረ። “እቲ ሞይቱ ዝነበረ ኸኣ” ህያው ኰይኑ “ወጸ።” (ዮሃንስ 11:43, 44) ሽዑ፡ ቤተ ሰብን ፈተውትን ኣልኣዛር ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ እሞ ገምቶ!

3. ሞይቶም ንዘለዉ ሰብካ እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ የተስፉ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ የሱስ ዘተንሰኦም ሰባት፡ ናብ ሰማይ ኣይከዱን። (ዮሃንስ 3:13) ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዳግም ህያዋን ብምዃኖም ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ንቢልዮናት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ኼተንስኦም እዩ። ብዘይካዚ የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም፡” ዋላ እውን እቶም ብኣና እተረስዑ፡ ኣብ ተዘክሮ ኣምላኽ ግና ዘለዉ ሰባት ከም ዚትንስኡ ሓቢሩ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ምዉታት ኪትንስኡ ኸም ዚኽእሉን ብርግጽ እውን ከም ዚትንስኡን ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መርትዖ መርምር። ትንሳኤ ብኸመይ መጸናንዕን ተስፋን ኪህበካ ኸም ዚኽእል ርአ።

4. የሱስ፡ ምዉታት ኬተንስእ ከም ዚኽእል ኣርእዩ

የሱስ ንዓርኩ ኣልኣዛር እንታይ ከም ዝገበረሉ ብዝያዳ ፍለጥ። ዮሃንስ 11:14, 38-44 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣልኣዛር ብሓቂ ኸም ዝሞተ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧—ፍቕዲ 39 ርአ።

  • ኣልኣዛር ናብ ሰማይ ከይዱ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ የሱስ ናብ ምድራዊ ህይወቱ ምመለሶዶ፧

ቪድዮ ኣጻውት

5. ብዙሓት ኪትንስኡ እዮም!

መዝሙር 37:29 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ቢልዮናት ኣበይ ኪነብሩ እዮም፧

የሱስ ንኣምለኽቲ የሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ካልኦት እውን ኬተንስእ እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንመን ብትንሳኤ ኽትረኽቦ ትደሊ፧

ሕስብ እሞ ኣብል፦ ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ኻብ ድቃስ ዜተንስኦ፡ የሱስ ንምዉታት ብቐሊሉ ኼተንስኦም ይኽእል እዩ

6. ትንሳኤ ኼጸናንዓካን ተስፋ ኺህበካን ይኽእል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ጓል ያኢሮስ ንብዙሓት ሓዘንተኛታት ኣጸናኒዑን ኣተባቢዑን እዩ። ኣብ ሉቃስ 8:40-42, 49-56 ዚርከብ ናይ ሓቂ ዛንታ ኣንብብ።

የሱስ ንጓል ያኢሮስ ቅድሚ ምትንሳኡ፡ ንኣቦኣ፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ” ኢልዎ እዩ። (ፍቕዲ 50 ርአ።) ተስፋ ትንሳኤ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

  • እትፈትዎ ሰብካ ምስ ሞተካ

  • ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ምስ እትኸውን

ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ተስፋ ትንሳኤ ንወለዲ ፈሊሲቲ ዜጸናንዖምን ዜተባብዖምን ብኸመይ እዩ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ትንሳኤ ኽትኣምኖ ዜጸግም እዩ።”

  • እንታይ ይመስለካ፧

  • ትንሳኤ ኸም ዚኸውን ዚሕብር እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትኽእል፧

ጽማቝ

ሞይቶም ዘለዉ ቢልዮናት ከም ዚትንስኡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ። የሆዋ ዳግም ህያዋን ኪዀኑ ይደልዮም እዩ፣ ንየሱስ ከኣ ንዓታቶም ኬተንስኦም ሓይሊ ሂብዎ እዩ።

ክለሳ

  • ንምዉታት ብዛዕባ ምትንሳእ፡ የሆዋን የሱስን እንታይ ይስምዖም፧

  • ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ቢልዮናት ሰባት ኣበይ እዮም ኪነብሩ—ኣብ ሰማይዶ ወይስ ኣብ ምድሪ፧ ስለምንታይ ከምኡ ትብል፧

  • እትፈትዎም ሰብካ ዳግም ህያዋን ከም ዚዀኑ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ንሓዘን ምእንቲ ኽትክእሎ፡ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትኽእል ርአ።

“ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ” (ንቕሑ! ቍ. 3 2018)

ብሓቂዶ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዘንተኛ ኺሕግዝ ይኽእል እዩ፧

እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት (5:06)

ቈልዑ ነቲ ሞት ዚፈትውዎ ሰቦም ዜስዕበሎም ሓዘን ብኸመይ ኪጻወርዎ ይኽእሉ፧

በጃ (2:07)

ናብ ሰማይ ዚትንስእ ኣሎዶ፧ መንከ እዮም ዘይትንስኡ፧

“ትንሳኤ እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)