ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 36

ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ተመላለስ

ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ተመላለስ

ኵሉ ሰብ ብቕንዕና ዚመላለሱ ፈተውቲ እዩ ዚደሊ። የሆዋ እውን ንፈተውቱ፡ ብቕንዕና ኺመላለሱ እዩ ዚደልዮም። እዚ ግና፡ ብዙሓት መታለልቲ ኣብ ዘለውዋ ዓለም ቀሊል ኣይኰነን። ኵሉ ሳዕ ብቕንዕና ምምልላስ ግና እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

1. ብቕንዕና እንመላለሰሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ብቕንዕና እንመላለስ እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮን ከም እነኽብሮን ነርኢ ኢና። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ንዅሉ እቲ እንሓስቦን እንገብሮን ይፈልጦ እዩ። (እብራውያን 4:13) ብቕንዕና ኽንመላለስ ከለና የስተብህለልና፡ ነዚ እውን የማስወሉ እዩ። ቃሉ ኸኣ፡ “የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ይብለና።—ምሳሌ 3:32

2. ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብቕንዕና እንመላለሰሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

የሆዋ “ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ” ብምባል፡ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ገሊጹልና ኣሎ። (ዘካርያስ 8:16, 17) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንስድራ ቤትና ዀነ፡ ንመሳርሕትና ዀነ፡ ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰነ፡ ወይ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ሓሶት ኣይንዛረብን ወይ ዜታልል ሓበሬታ ኣይንህብን ኢና። ቅኑዓት ሰባት ኣይሰርቁን ወይ ኣየደናግሩን እዮም። (ምሳሌ 24:28ኤፌሶን 4:28ን ኣንብብ።) ኵሉ እቲ ዚግብኦም ግብሪ እውን ይኸፍሉ እዮም። (ሮሜ 13:5-7) በዝን ብኻልእ መገድታትን፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር” ንጽዕር ኢና።—እብራውያን 13:18

3. ብቕንዕና ምምልላስ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

ቅኑዓት ዚብል ስም እንተ ኣጥሪና፡ ካልኦት ይኣምኑና እዮም። ኣብ ጉባኤና ኸም ናይ ስድራ ቤት ዝበለ ውሑስ ሃዋህው ኪሰፍን ኣበርክቶ ንገብር ኢና። ንጹህ ሕልና ይህልወና እዩ። ብዘይካዚ፡ ቅንዕናና “ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ [ይስልሞ፡]” ነቶም ኣብ ወጻኢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እውን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስሕቦም እዩ።—ቲቶስ 2:10

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ቅንዕና ንየሆዋን ንዓኻን ብኸመይ ከም ዚጸሉ ርአ፣ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ህይወትካ ብኸመይ ብቕንዕና ኽትመላለስ ከም እትኽእል ተምሃር።

4. ቅንዕና ንየሆዋ ባህ የብሎ

መዝሙር 44:21 ሚልክያስ 3:16ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ሓቂ ኽንሓብእ ከም እንኽእል ጌርና ምሕሳብ ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

  • ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ሓቂ ኽንነግር ከለና፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧

ቈልዑ ሓቂ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ንወለዶም የሐጕስዎም። ንሕና ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ንየሆዋ ነሐጕሶ

5. ኵሉ ሳዕ ብቕንዕና ተመላለስ

ብዙሓት ሰባት ወትሩ ብቕንዕና ምምልላስ ከም ዘይከኣል ይኣምኑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ስለምንታይ ኵሉ ሳዕ ብቕንዕና ኽንመለላስ ከም ዘሎና ርአ። ቪድዮ ኣጻውት

እብራውያን 13:18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብኸመይ ብቕንዕና ኽንመላለስ ከም እንኽእል ተመያየጡ፦

  • ምስ ስድራ ቤትና

  • ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ

  • ኣብ ካልእ ኵነታት

6. ቅንዕና ይጠቕመና

ቅንዕና እተወሰነ ጸገማት ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና ወትሩ ረብሓ ኣለዎ። መዝሙር 34:12-16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ቅንዕና ንህይወትካ ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧

  1. ሀ.ቅኑዓት ሰብኡትን ኣንስትን ሓዳሮም የደልድሉ

  2. ለ. ቅኑዓት ሰራሕተኛታት፡ እምነት ኣስራሕቶም ይረኽቡ

  3. ሐ. ቅኑዓት ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ጽቡቕ ስም ይህልዎም

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ገሊኡ ሓሶት ንእሽቶ ስለ ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድቲ ዜገድስ ኣይኰነን።”

  • የሆዋ ንዅሉ ሓሶት ከም ዚጸልኦ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

ጽማቝ

የሆዋ ንፈተውቱ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዚብልዎን ዚገብርዎን ብቕንዕና ኺመላለሱ ይደልዮም።

ክለሳ

  • ብቕንዕና እትመላለሰሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

  • ሓቂ ኽንሓብእ ከም እንኽእል ጌርና ምሕሳብ ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ስለምንታይ ኢኻ ዅሉ ሳዕ ብቕንዕና ኽትመላለስ እትደሊ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ወለዲ ንደቆም፡ ብቕንዕና ምእንቲ ኺመላለሱ ብኸመይ ኪምህርዎም ይኽእሉ፧

ሓቀኛ ኹን (1:44)

ዝኣቶናዮ ቓል ምሕላው እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

ቃልካ ሓሉ እሞ ኽትባረኽ ኢኻ (9:09)

ግብሪ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ኣብ ዚውዕለሉ እዋን እኳ ግብሪ ኽንከፍል እንተ ኣልዩና ርአ።

“ግብሪ ኽትከፍል ይግባእዶ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 መስከረም 2011)

ሓደ መታለሊ ዝነበረ ሰብ ንህይወቱ ቐዪሩ ብቕንዕና ኺመላለስ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

“የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ተመሃርኩ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ግንቦት 2015)