ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 40

ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧

ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧

ሓንቲ ፈቃር ኣደ ንንእሽቶ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ኪኸይድ ከተዳልዎ ኸላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ሰብነቱ ኸም እተሓጽበ፡ ክዳውንቱ ድማ ጽሩይን ጽፉፍን ምዃኑ ተረጋግጽ እያ። ከምኡ ምግባራ ኸኣ ንጥዕናኡ ኣብ ርእሲ ምሕላዉ፡ ወለዱ ጽቡቕ ገይሮም ከም ዚከናኸንዎ የርኢ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ብኣካላውን ብስነ ምግባራውን መዳይ ንጹሃት ክንከውን ይደልየና እዩ። ንጹሃት እንተ ዄንና ኸኣ፡ ገዛእ ርእስና ንጠቅም፡ ንዕኡ እውን ክብሪ ነምጽኣሉ ኢና።

1. ከመይ ጌርና ኢና ብኣካላዊ መዳይ ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧

የሆዋ፡ “ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:16) ቅድስና ምስ ኣካላውን ስነ ምግባራውን ንጽህና ይተሓሓዝ እዩ። ሰብነትና ኣዘውቲርና ብምሕጻብ፡ ጽሬት ክዳውንትናን ቤትናን መጐዓዝያናን ከኣ ብምሕላው፡ ብኣካላዊ መዳይ ንጹሃት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይ እውን እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። ኣካላዊ ንጽህናና ብምሕላው፡ ንየሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና።—2 ቈረንቶስ 6:3, 4

2. ንጹሃት ምእንቲ ኽንከውን፡ እንታይ ልማዳት ኢና ኸነወግድ ዘሎና፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (2 ቈረንቶስ 7:1) ስለዚ፡ ንሰብነትና ዀነ ንኣእምሮና ዚጐድእ ዝዀነ ይኹን ነገር ነወግድ ኢና። ሓሳባትና ንየሆዋ ባህ ዜብል ኪኸውን ኣለዎ፣ ስለዚ፡ ዘይግቡእ ሓሳባት ንምውጋድ ዚከኣለና ንገብር ኢና። (መዝሙር 104:34) ንጹህ ዘረባ ንምዝራብ እውን ንጽዕር ኢና።—ቈሎሴ 3:8 ኣንብብ።

ብኣካላዊ ወይ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ኬርክሰና ዚኽእል እንታይ ካልእ ነገራት ኣሎ፧ ገሊኡ ነገራት ንሰብነትና ኺብክሎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ከም ትምባኾን ጫትን ሓሽሽን ዝኣመሰለ ነገራት ኣይንጥቀምን ኢና። ካብዚ ነገራት እዚ ስለ እንርሕቕ፡ ጥዕናና ይሕሎ፡ ንውህበት ህይወት ዘሎና ኣኽብሮት እውን ነርኢ ኢና። ምስቲ ርኹስ ልማዳት ዝዀነ ግብረ ሕቡእን ስእለ ጽዩፍን ብምቅላስ እውን፡ ብስነ ምግባር ንጹሃት ንምዃን ንጽዕር ኢና። (መዝሙር 119:37፣ ኤፌሶን 5:5) ነዚ ልማዳት እዚ ምስናፉ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ የሆዋ ግና ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 41:13 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ኣካላዊ ንጽህና ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዜኽብሮ መርምር፣ ካብ ርኹስ ልማዳት ብኸመይ ከም እትርሕቕ እውን ርአ።

3. ኣካላዊ ንጽህና ንየሆዋ የኽብሮ

ነቲ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ትእዛዛት ብምምርማር፡ ብዛዕባ ጽሬት ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ዘጸኣት 19:10 30:17-19ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እዚ ፍቕድታት እዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ኣካላዊ ንጽህና እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ፧

  • እንታይ ጽቡቕ ልማዳት እዩ ኣካላዊ ንጽህናና ኽንሕሉ ዚሕግዘና፧

ኣካላዊ ንጽህና ምሕላው፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት። እንነብረሉ ዓዲ ወይ ዘሎና ሃብቲ ብዘየገድስ ግና ጽሬትና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንብረትና ጽፉፍን ጽሩይን ጌርና እንተ ሒዝና፡ እዚ ንዕዮ ስብከትና ዜማዕርጎ ብኸመይ እዩ፧

4. ሕማቕ ልማዳት ኣሰንፍ

ንዝዀነ ሕማቕ ኣመል ምእንቲ ኸነሰንፍ፡ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ

ሽጋራ እተትክኽ ወይ ሓሽሽ እትወስድ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ልማድ እዚ ምውጋድ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ እቲ ልማድ እቲ ብኸመይ ከም ዚጸልወካ ኣብ ግምት ኣእቱ። ማቴዎስ 22:37-39 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ትምባኾ ወይ ሓሽሽ ነዚ ዚስዕብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ተመያየጡሉ፦

  • ነቲ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት

  • ንስድራ እቲ ሰብ ወይ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ሰባት

ሕማቕ ልማዳት ንምስናፍ መደብ ኣውጽእ። a ቪድዮ ኣጻውት

ፊልጲ 4:13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ከም ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኼባታትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ልማድ፡ ሕማቕ ልማድ ንምስናፍ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧

5. ምስ ርኹስ ሓሳባትን ልማዳትን ተቓለስ

ቈሎሴ 3:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ስእለ ጽዩፍን ሰክስቲንግን b ግብረ ሕቡእን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ርኹስ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • የሆዋ ብስነ ምግባር ንጹሃት ክንከውን ምጽባዩስ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ምስ ርኹስ ሓሳባት ብኸመይ ከም እትቃለስ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት

የሱስ፡ ስነ ምግባራዊ ንጽህናና ንምሕላው ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኺሕብር ኢሉ ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። ማቴዎስ 5:29, 30 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሱስ ንኣካላትና ኽንጐድእ ማለቱ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ግና ሓቢሩ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ርኹስ ሓሳባት ንምውጋድ እንታይ ቈራጽ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል፧ c

ንርኹስ ሓሳባት ከተሰንፍ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ ንጻዕርታትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምስ ርኹስ ልማድ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐጻሊ ኽትቃለስ እተተባብዓካ ብኸመይ እያ፧

እንተ ደጊሱካ፡ ተሳዒርካ ማለት ኣይኰነን!

‘ኣይተዓወትኩን፣ ስለዚ ኢደይ እንተ ሃብኩ ይሓይሽ’ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ ጐያዪ ተዓንቂፉ እንተ ዚወድቕ፡ ኣብቲ ቕድድም ይስዓር ማለት ኣይኰነን፣ ከም ብሓድሽ ካብ መጀመርታ ኺጅምር እውን ኣየድልዮን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሕማቕ ልማድካ እንተ ደጊሱካ፡ ንምስናፉ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ተሳዒርካ ማለት ኣይኰነን። ንዅሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ምምሕያሽ እውን ኣይስርዞን እዩ። ልማድካ ኺደግሰካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ክፍሊ እቲ ንምጥዓይ እትገብሮ ጕዕዞ እዩ። ኣይትተሓለል! ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ሕማቕ ልማድ ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ተወሊፈ እየ። ክሓድጎ ኣይክእልን እየ።”

  • ከምዚ ንዚብል ሰብ ብሓገዝ የሆዋ ሕማቕ ልማዱ ኼሰንፍ ከም ዚኽእል ንምሕጋዝ እንታይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተርእዮ ትኽእል፧

ጽማቝ

ሰብነትናን ኣእምሮናን ኣካይዳናን ብምንጻህ፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንኽእል።

ክለሳ

  • ንጹህ ምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ብኣካላዊ መዳይ ንጹህ ክትከውን እትኽእል፧

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንጽህና ሓሳባትካን ኣካይዳኻን ክትሕሉ እትኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ዘይብልካ፡ ኣካላዊ ጽሬትካ ንምሕላው እንታይ ቀሊል ነገራት ክትገብር ትኽእል፧

ጥዕናን ስነ ጥዕናን—ምሕጻብ ኢድ (3:01)

ምትካኽ ሽጋራ ምእንቲ ኽትሓድጎ፡ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትኽእል ርአ።

“ሽጋራ ምትካኽ ብኸመይ ደው ከተብል ትኽእል፧” (ንቕሑ!፡ ግንቦት 2010)

ሓደ ሰብኣይ ንወልፊ ስእለ ጽዩፍ ብኸመይ ከም ዘሰነፎ ኣንብብ።

“ቅድሚ ምዕዋተይ ብዙሕ ግዜ ወደቕኩ” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 4 2016)

a ኣብቲ ዳህስስ ዚብል ክፋል እዚ ትምህርቲ እዚ ዚርከብ “ሽጋራ ምትካኽ ብኸመይ ደው ከተብል ትኽእል፧” ዘርእስቱ ዓንቀጻት፡ ወልፊ ንምስናፍ ዚሕግዝ ግብራዊ ስጕምትታት ይገልጽ።

b ሰክስቲንግ ኪብሃል ከሎ፡ ርኹስ ጾታዊ መልእኽቲ ዘለዎ ጽሑፋት፡ ስእልታት፡ ወይ ቪድዮታት ብኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ምልኣኽ የመልክት።

c ልምዲ ግብረ ሕቡእ ንምስናፍ ዜኽእል ሓገዝ ንምርካብ፡ ኣብ መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ፡ ምዕራፍ 25 “ንልማድ ግብረ ሕቡእ ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧” ዚብል ርአ።