ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 41

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ይብል፧

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝራብ የሕፍሮም እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾታዊ ርክብ ኪጠቕሶ ኸሎ፡ ብግልጺ ግናኸ ብምዕሩግ ኣገባብ እዩ ዚጠቕሶ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸኣ ይጠቕመና እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ፈጣሪና እዩ። ስለዚ፡ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ተግባራትና ብኸመይ ባህ ኬብሎ ኸም ዚኽእል ይሕብረና፡ ንዘለኣለም ተሓጒስና ኽንነብር ዚሕግዘና እንታይ ምዃኑ እውን ይነግረና እዩ።

1. የሆዋ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

ጾታዊ ርክብ ካብ የሆዋ እተዋህበ ውህበት እዩ። እተመራዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ብእኡ ኺሕጐሱ እዩ ዚደሊ። እዚ ውህበት እዚ፡ ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቕሮም ብባህርያውን ባህ ብዜብልን መገዲ ኺገላለጹ የኽእሎም እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቓል ኣምላኽ፡ “ብሰበይቲ ንእስነትካ . . . ተሓጐስ” ዚብል። (ምሳሌ 5:18, 19) የሆዋ ንምርዑዋት ክርስትያናት፡ ንመጻምድቶም እሙናት ኪዀኑ ይጽበዮም እዩ፣ ስለዚ፡ ከቶ ኺዝምዉ የብሎምን።—እብራውያን 13:4 ኣንብብ።

2. ምንዝርና እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመንዝራታት . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ይብል። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ብግሪኽኛ ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንዝርና ንምግላጽ ፖርኒያ እትብል ቃል እዮም ተጠቒሞም። እታ ቓል ከኣ፡ (1) ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ውልቀ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ a (2) ንግብረ ሶዶም፡ (3) ምስ እንስሳ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ተጠቓልል። ነቲ፡ “ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ” ዚብል ምኽሪ ኽንስዕብ ከለና፡ ንየሆዋ ባህ ነብሎ፡ ንርእስና እውን ንጠቅም ኢና።—1 ተሰሎንቄ 4:3

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ካብ ምንዝርና ብኸመይ ከም እትርሕቕን ብስነ ምግባር ንጹህ ምዃን ብኸመይ ከም ዚጠቕመካን ርአ።

3. ካብ ምንዝርና ህደም

ዮሴፍ ዝስሙ እሙን ሰብ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኡ ንምሕላው ተቓሊሱ እዩ። ዘፍጥረት 39:1-12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ንዮሴፍ ኪሃድም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧—ፍቕዲ 9 ርአ።

  • ዮሴፍ ቅኑዕ ውሳነ ዝገበረዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሎሚ መንእሰያት ኣብነት ዮሴፍ ብምስዓብ ካብ ምንዝርና ኺሃድሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ቪድዮ ኣጻውት

የሆዋ ንዅላትና፡ ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ይደልየና። 1 ቈረንቶስ 6:18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ናብ ምንዝርና ኺመርሕ ዚኽእል ኵነታት እንታይ እዩ፧

  • ካብ ምንዝርና ኸመይ ጌርካ ኽትሃድም ትኽእል፧

4. ንፈተና ኽትጻረሮ ትኽእል ኢኻ

ምንዝርና ኽትፍጽም ንዜጋጥመካ ፈተና ምጽራር ኣጸጋሚ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቲ ኣብታ ቪድዮ ዘሎ ሓው ሓሳባቱን ተግባራቱን ንሰበይቱ ዘይእሙን ከም ዚኸውን ኪገብሮ ኸም ዚኽእል ምስ ፈለጠ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

እሙናት ክርስትያናት እውን እንተ ዀነ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓሳባቶም ንጹህ ገይሮም ምሕላው ይኸብዶም እዩ። ብዛዕባ ርኹስ ነገራት ብቐጻሊ ኸይትሓስብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ፊልጲ 4:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትሓስብ ዘሎካ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ምዃንን ነቲ ኽንሓጥእ ዜጋጥመና ፈተና ኽንጻረር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

5. መለክዒታት የሆዋ ይጠቕመና

የሆዋ ንዓና ዚጠቕመና እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከመይ ጌርና ስነ ምግባራዊ ንጽህናና ኸም እንሕሉን ከምኡ ብምግባር እንታይ ጥቕምታት ከም እንረክብን ይነግረና እዩ። ምሳሌ 7:7-27 ኣንብብ ወይ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቲ ጐበዝ ናብ ፈታኒ ዅነታት ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧—ምሳሌ 7:8, 9 ርአ።

  • ብመሰረት ምሳሌ 7:23, 26፡ ምንዝርና ኸቢድ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ስነ ምግባራዊ ንጽህናና እንተ ሓሊና፡ ካብ እንታይ ጸገማት ኢና እንስተር፧

  • ስነ ምግባራዊ ንጽህና ንዘለኣለም ተሓጒስና ኽንነብር ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዚብሎ ነገር ዘይፍቕራዊ ኸም ዝዀነ ይስምዖም እዩ። እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ግና፡ ኵሉ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ ዚደሊ። ነዚ ንምብቃዕ፡ ብመለክዒታቱ ኽንመላለስ ኣሎና። 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክንርኢ ኸለና፡ ግብረ ሶዶማዊ ትምኒት ጥራይ ድዩ ኸም ዘይግቡእ ጌርካ ተጠቒሱ ዘሎ፧

ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ኵላትና ለውጥታት ክንገብር ኣሎና። እዝስ ዚኽሕስ ድዩ፧ መዝሙር 19:8, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

የሆዋ ንብዙሓት ሰባት፡ ምስ ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ሓጊዝዎም እዩ። ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ክልተ ሰባት ክሳዕ እተፋተዉ፡ ጾታዊ ርክብ እንተ ገበሩ ጌጋ የብሉን።”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

ጾታዊ ርክብ፡ የሆዋ ንሰብኣይን ንሰበይትን ኪሕጐሱሉ ዝሃቦም ውህበት እዩ።

ክለሳ

  • ምንዝርና እንታይ የጠቓልል፧

  • ካብ ምንዝርና ኽንርሕቕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

  • ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣምላኽ ንመጻምድቲ ኺምርዓዉ ዚደልዮም ስለምንታይ ምዃኑ መርምር።

“ከይተመርዓኻ ብሓባር ብዛዕባ ምንባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” (ዓንቀጽ ወብ)

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ዚሰርዖ መለክዒ ስለምንታይ ጽልኢ ኸም ዘየተባብዕ ርአ።

“ግብረ ሶዶም ጌጋ ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ተግባራት ዝሃቦ ሕጊ ብኸመይ ከም ዜዕቍበና ፍለጥ።

“ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂዶ ጾታዊ ርክብ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

“ኣኽቢሮም እዮም ሒዞምኒ” ኣብ ዘርእስታ ተመክሮ፡ ሓደ ሶዶማዊ ንኣምላኽ ባህ ኬብል ኢሉ ኣነባብራኡ ኪቕይር እንታይ ከም ዝደረኾ ርአ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሚያዝያ 2011)

a እዚ ኽልኩል ርክብ በበይኑ ዓይነት ተግባራት፡ ማለት ጾታዊ ርክብ፡ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብመሃንቱስ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ከምኡ ድማ ንብልዕቲ ኻልእ ሰብ ብጾታዊ መገዲ ምትንካይ የመልክት።