ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 42

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምርዓውን ዘይምምርዓውን እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምርዓውን ዘይምምርዓውን እንታይ ይብል፧

ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ሓደ ሰብ እንተ ዘይተመርዕዩ ሕጉስ ኪኸውን ከም ዘይክእል ይእመን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሎም ምርዑዋት ኣይኰኑን ሕጉሳት፣ ኵሎም ዘይተመርዓዉ እውን ኣይኰኑን ዘይሕጉሳት። መጽሓፍ ቅዱስ ንምምርዓው ኰነ ንዘይምምርዓው ከም ውህበት ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ።

1. ዘይምምርዓው እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚምርዖ፡ ጽቡቕ ይገብር፣ እቲ ዘይምርዖ ግና፡ ዝሓሸ ይገብር” ይብል። (1 ቈረንቶስ 7:32, 33, 38 ኣንብብ።) ብኸመይ ደኣ እዩ ዘይተመርዓወ ሰብ ‘ዝሓሸ ዚገብር፧’ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ብናይ መጻምድቶም ኪሓልዩ ኣየድልዮምን እዩ። ስለዚ፡ ብሓፈሻኡ ዝያዳ ናጽነት ኣለዎም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ናብ ካልእ ዓዲ ብምኻድ ወይ ብኻልእ መገድታት ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ይኽእሉ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንየሆዋ ንምቕራብ ዝያዳ ግዜ ኼሕልፉ ይኽእሉ እዮም።

2. ብሕጊ ምምርዓው እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

ከምቲ ዘይምምርዓው ጥቕምታት ዘለዎ፡ ምምርዓው እውን ፍሉይ ጥቕምታት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ” ይብል። (መክብብ 4:9) ምናዳ እቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳሮም ዚትግብሩ ክርስትያናት፡ ነዚ ሓቂ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ብሕጊ ዚመራዓዉ ሰብ ሓዳር፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ቃል ኪዳን ይተኣታተዉ እዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ካብቶም ከይተመራዓዉ ብሓደ ተኣኻኺቦም ዚነብሩ መጻምድቲ ንላዕሊ ቕሳነት ይስምዖም እዩ። መርዓ ኸኣ ስድራ ንምዕባይ ውሑስ መሰረት የንጽፍ እዩ።

3. የሆዋ ንመውስቦ ብኸመይ ይርእዮ፧

የሆዋ ነቲ ቐዳማይ ስነ ስርዓት መርዓ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዘፍጥረት 2:24) የሆዋ ንሰብኣይን ንሰበይትን ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ ብሓደ ኺጣበቑ እዩ ዚደልዮም። ብምኽንያት ዝሙት ጥራይ እዩ ፍትሕ ዚፈቅድ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ንጹህ መጻምድቲ፡ ኪፋታሕ ወይ ከይፋታሕ ናይ ምውሳን መሰል ይህቦ እዩ። a (ማቴዎስ 19:9) የሆዋ ንክርስትያናት፡ ድርብ መውስቦ ኣይፈቕደሎምን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:2

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ምርዑው ኩን ዘይምርዑው ብኸመይ ሕጉስ ከም እትኸውንን ብኸመይ ንየሆዋ ኸም እተሐጕሶን ተምሃር።

4. ንዘይምምርዓውካ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ

የሱስ ንዘይምምርዓው፡ ከም ውህበት ገይሩ እዩ ርእይዎ። (ማቴዎስ 19:11, 12) ማቴዎስ 4:23 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሱስ ንውህበት ዘይምምርዓው፡ ንኣቦኡን ንሰባትን ንምግልጋል ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧

ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ከም የሱስ ንህይወቶም ኣብ ጽቡቕ መዓላ ብምውዓል ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ንህይወቶም ኣብ ምንታይ ጽቡቕ መዓላ እዮም ኬውዕልዋ ዚኽእሉ፧

ትፈልጥዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ክንደይ ዕድመ ንላዕሊ ኽትምርዖ ኸም ዚግባእ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ‘ብጽሕናኡ ኽሳዕ ዜሕልፍ፡’ ማለት እቲ ንምምዝዛኑ ኺጸሉ ዚኽእል ብርቱዕ ጾታዊ ስምዒታት ክሳዕ ዚሓልፍ እንተ ጸንሐ ኸም ዚሓይሽ ይመክር እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:36

5. መጻምድትኻ ተጠንቂቕካ ምረጽ

መጻምድትኻ ምምራጽ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነታት እዩ። ማቴዎስ 19:4-6, 9, ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ሓደ ክርስትያን ተሃዊኹ ኺምርዖ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መጻምድትኻ እትደልዮ ባህርያት ክትፈልጥ ይሕግዘካ እዩ። ልዕሊ ዅሉ፡ ንየሆዋ ዜፍቅር መጻምድቲ ድለ። b 1 ቈረንቶስ 7:39 2 ቈረንቶስ 6:14ን ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ንክርስትያን ብጻይና ጥራይ ክንምርዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • የሆዋ፡ ንዕኡ ዘየፍቅር ሰብ ክንምርዖ ኸለና እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

ክልተ ኣዝዮም እተፈላለዩ እንስሳታት ብሓደ እንተ ተቘሪኖም ይሳቐዩ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ዘይኣማኒ ዚምርዖ ክርስትያን ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞ እዩ

6. ንመውስቦ ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርካ ርኣዮ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ገሊኦም ሰብኡት ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ንኣንስቶም ይፈትሑ ነይሮም እዮም። ሚልክያስ 2:13, 14, 16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ዘይግቡእ ፍትሕ ዚጸልእ ስለምንታይ እዩ፧

ዝሙትን ፍትሕን ነቲ ንጹህ መጻምድትን ንውሉዳትን ይጐድእ

ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንዘይኣማኒ እተመርዓኻ እንተ ዄንካ፡ ሓዳርካ ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

7. በቲ የሆዋ ንመውስቦ ዝሰርዖ መለክዒታት ተመላለስ

ሓደ ሰብ በቲ የሆዋ ንመውስቦ ዝሰርዖ መለክዒታት ንምምልላስ ብዙሕ ጻዕርታት ኪገብር የድልዮ ይኸውን። c የሆዋ ግና ነቶም ከምኡ ዚገብሩ ይባርኾም እዩ። ቪድዮ ኣጻውት

እብራውያን 13:4 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሆዋ ንመውስቦ ዝሰርዖ መለክዒታት ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

የሆዋ ንክርስትያናት፡ መርዓኦምን ፍትሖምን ኬመዝግብዎ ይጽበዮም እዩ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ እዚ ብሲቪል ሰበ ስልጣን እዩ ዚግበር። ቲቶስ 3:1 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምርዑው እንተ ዄንካ፡ መርዓኻ መንግስቲ ብሕጊ ዚፈልጦ ምዃኑስ ርግጸኛ ዲኻ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንምንታይ መርዓ ኣድልዩ፧ መጻምድቲ ስቕ ኢሎም ብሓባር ኪነብሩዶ ኣይክእሉን እዮም፧”

  • እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጽማቝ

ምምርዓውን ዘይምምርዓውን ካብ የሆዋ ዚውሃብ ውህበት እዩ። ክልቲኡ ምስ ፍቓድ የሆዋ ብዚሳነ መገዲ እንተ ተታሒዙ፡ ሓጐስን ዕግበትን ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

ክለሳ

  • ሓደ ሰብ ንዘይምምርዓዉ ብጽቡቕ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያን ብጻይና ጥራይ ክንምርዖ ዚእዝዘና ስለምንታይ እዩ፧

  • እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ጥራይ እዩ ንፍትሕ ምኽንያት ዚኸውን፧

ሸቶ

ዳህስስ

“ብጐይታ ጥራይ” ምምርዓው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

“ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 2004)

ምስ ኣንጻር ጾታ ብዛዕባ ምትዕርራኽን ብዛዕባ መርዓን ዚገልጻ ኽልተ ሓጸርቲ ድራማታት ርአ።

ንሓዳር ምድላው (11:53)

ሓደ ሓው ካብቲ ንሱ ዝሓደጎ ንላዕሊ እቲ የሆዋ ዝሃቦ ኣጸቢቑ ዚበልጽ ምዃኑ ስለምንታይ ከም ዚስምዖ ርአ።

ናብ ሓቂ ኽትመጽእ ተስፋ እገብር ነይረ (1:56)

ሓደ ሰብ ኪፋታሕ ወይ ኪፈላለ ቕድሚ ምውሳኑ እንታይ ነገራት እዩ ኺሓስበሉ ዘለዎ፧

“‘ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶ’ ኣኽብሮ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ ታሕሳስ 2018)

a ብዘይ ዝሙት ብዛዕባ ዚግበር ምፍልላይ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ 4 ርአ።

b ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ወለዲ ንወዶም ወይ ንጓሎም መጻምድቲ ይሓርዩሎም እዮም። ፈቃራት ወለዲ ኸምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ብቐዳምነት ዜገድሶም፡ እቲ መጻምድቲ ንየሆዋ ዜፍቅር ምዃኑ ደኣ እምበር፡ ገንዘብ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ኣይኰነን።

c ከይተመርዓኻ ምስ መጻምድትኻ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ሰብ ምሕዳግ ወይ ምምርዓው ናይ ብሕትኻ ውሳነ እዩ።