ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 44

ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧

ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧

የሆዋ ብህይወትና ኽንሕጐስን ንሓጐስና ዚገልጽ ጽምብል ክንገብርን ይደልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ በዓላት ንዕኡ ባህ የብሎ ድዩ፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

1. ብዙሕ በዓላት ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሕ በዓላት ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ወይ ኣብ ኣረማዊ መበቈል እተመስረተ ምዃኑ ይገርመካ ይኸውን። እዚ በዓላት እዚ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ መናፍስትነት እተኣሳሰረ ወይ ኣብ ኢመዋትነት ነፍሲ እተመስረተ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ በዓላት ኣብ ማሪታዊ እምነት ወይ ኣብ እምነት ዕድል እተመስረተ እዩ። (ኢሳይያስ 65:11) የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ “ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን . . . ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:17 a

2. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዘይግባእ ክብሪ ዚህብ በዓላት ከመይ ይስምዖ፧

“ብሰብ ዚእመን” ኣብ ሓደጋ ስለ ዚወድቕ፡ የሆዋ ኸምኡ ኸይንገብር የጠንቅቐና እዩ። (ኤርምያስ 17:5 ኣንብብ።) ገሊኡ በዓላት ንኽብሪ ገዛእቲ ወይ ንኽብሪ ወተሃደራት እዩ ዚብዓል። ገሊኡ ኸኣ ንኽብሪ ሃገራዊ ኣርማታት ወይ ንኽብሪ ናጽነት እዩ ዚብዓል። (1 ዮሃንስ 5:21) ገሊኡ ድማ ንፖለቲካዊ ወይ ንማሕበራዊ ምንቅስቓስ ክብሪ ዚህብ እዩ። እሞ ደኣ ንሰብ ወይ ንውድብ ዘይግባእ ክብሪ እንተ ሂብና፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧ ምናዳ ኸኣ ምስ ዕላማኡ ንዚጻረር ሓሳብ ንዜስፋሕፍሕ ዘበለ ኽብሪ እንተ ሂብና እንታይ ይስምዖ፧

3. እንታይ ጠባያት እዩ ንበዓላት ዘይቅቡል ኪገብሮ ዚኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ስኽራን፡ ፈንጠዝያ፡ ብመስተ ምውድዳር’ ይዅንን እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:3) ኣብ ገሊኡ በዓላት፡ ቀይዲ በተኽነትን ርኹስ ተግባራትን ይርአ እዩ። ኣዕሩኽ የሆዋ ኽንከውን እንተ ዄንና፡ ካብዚ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት ክንርሕቕ ኣሎና።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ በዓላት ጥበባዊ ውሳነታት ብምግባር፡ ንየሆዋ ብኸመይ ባህ ከም እተብሎ ፍለጥ።

4. ንኣምላኽ ካብ ዘየኽብር በዓላት ርሓቕ

ኤፌሶን 5:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ሓደ በዓል ንምብዓል ቅድሚ ምውሳንካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትምርምር ዘሎካ፧

  • ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ እንታይ በዓላት እዩ ዚብዓል፧

  • እዚ በዓላት እዚ ንየሆዋ ባህ ዜብሎዶ ይመስለካ፧

ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምብዓል ዕለተ ልደት እንታይ ከም ዚስምዖ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ ዕለተ ልደቱ ኸም ዘብዓለ ዚገልጽ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። ንየሆዋ ዘየገልግሉ ኽልተ ሰባት ዕለተ ልደቶም ከም ዘብዓሉ ግና ተመዝጊቡ ኣሎ። ዘፍጥረት 40:20-22 ማቴዎስ 14:6-10ን ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብ ክልቲኡ እዚ ዕለተ ልደት እተባዕለሉ ኣጋጣሚ እንታይ ሓባራዊ ነገር ተጠቒሱ ኣሎ፧

  • ብመሰረት እዚ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብዛዕባ ምብዓል ዕለተ ልደት እንታይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

እንተዀነ ግና፡ ‘ዕለተ ልደት ወይ ካልእ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ በዓል ኣብ ምብዓል ምስታፈይ፡ ንየሆዋ ብሓቂዶ የገድሶ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ዘጸኣት 32:1-8 ኣንብብ። ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት በዚ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦

  • ብየሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ኽትምርምር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ከመይ ጌርካ ኸምኡ ትገብር፧

ሓደ በዓል ንኣምላኽ ዜጕህዮ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

  • ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት እተመስረተ ድዩ፧ መልሱ ንምፍላጥ፡ መበቈሉ መርምር።

  • ንሰባት፡ ንውድባት፡ ወይ ንሃገራዊ ኣርማታት ዘይግባእ ክብሪ ዚህብ ድዩ፧ ካብ ኵሉ ንላዕሊ፡ ንየሆዋ ኢና እነኽብሮ፣ ጸገማት ዓለም እውን ንሱ ኺፈትሖ ኢና እንጽበ።

  • ልምድታት እቲ በዓል ምስ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ድዩ፧ ስነ ምግባራዊ ንጽህናና ኽንሕሉ ኣሎና።

5. ሰባት ንእምነትካ ኬኽብሩልካ ሓግዞም

ሰባት ንየሆዋ ኣብ ዜጕህዮ በዓላት ክትሳተፍ ጸቕጢ ኺገብሩልካ ኸለዉ ምእባይ፡ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውሳነኻ ብትዕግስትን ብሜላን ግለጸሎም። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኸም እትገብር ዚሕብር ኣብነት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት

ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ብመሰረት እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ንዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ሓደ በዓል ኬብዕሉ ኸም ዘይብሎም ክትነግሮምሲ ግቡእ ድዩ፧

  • ዋላ እኳ ምስ ስድራ ቤትካ ዘይተብዕል እንተ ዀንካ፡ ከም እትፈትዎምን ከም እተኽብሮምን ንምርግጋጽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

6. የሆዋ ኽንሕጐስ ይደልየና

የሆዋ ምስ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ክንሕጐስ ይደልየና እዩ። መክብብ 8:15 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሆዋ ኽንሕጐስ ከም ዚደልየና እተርኢ ብኸመይ እያ፧

የሆዋ ንህዝቡ ደስ ኪብሎምን ጽቡቕ ግዜ ኼሕልፉን ይደልዮም እዩ። እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ብኸመይ ብንጹር ከም ዚንጸባረቕ ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት

ገላትያ 6:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ንኻልኦት “ሰናይ” ክንገብር ኢልና በዓላት ከነብዕልሲ ግቡእ ድዩ፧

  • እንታይ ዓይነት ምሃብ እዩ ዜሐጕሰካ—ግዴታ ዀይኑካ ናይ በዓል ህያብ ምሃብዶ ወይስ ብፍታውካ ምሃብ፧

  • ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ፍሉይ ኣጋጣሚታት የዳልዉሎም፡ ህያባት እውን ይህብዎም እዮም። ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ፡ እንታይ ፍሉይ ነገራት ክትገብረሎም ትኽእል፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መበቈል በዓል ክሳዕ ክንድቲ ዜገድስ ኣይኰነን። ነቲ በዓል ምስ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ጽቡቕ ግዜ ኸነሕልፍ ኢልና ኢና እነብዕሎ።”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ምስ ስድራ ቤትናን ምስ ፈተውትናን ጽቡቕ ግዜ ኸነሕልፍ ይደልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንዕኡ ኻብ ዜጕህዮ በዓላት ክንርሕቕ እውን ይደልየና እዩ።

ክለሳ

  • ሓደ በዓል ንየሆዋ ዜጕህዮ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል፧

  • ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ነቲ ብዛዕባ በዓላት ዝገበርናዮ ውሳነታት ምእንቲ ኺርድኡልና ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

  • የሆዋ ኽንሕጐስን ደስ ኪብለናን ከም ዚደሊ፡ ከመይ ጌርካ ትፈልጥ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ዕለተ ልደት ምብዓል ንኣምላኽ ከም ዜጕህዮ እንኣምነሉ ኣርባዕተ ምኽንያት ርአ።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕለተ ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ኣብ እዋን በዓላት፡ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ቘልዑ ብኸመይ ከም ዜሐጕስዎ ርአ።

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ኢኻ (11:35)

ሚልዮናት ክርስትያናት ልደተ ክርስቶስ ኣየብዕሉን እዮም። ብዛዕባ እዚ ውሳነኦም እንታይ ይስምዖም፧

“ዝበለጸ ረኺቦም” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ታሕሳስ 2012)

a ገሊኡ ምስ በዓል እተተሓሓዘ ዅነታት ብኸመይ ከም እትሕዞ ንምፍላጥ፡ ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ 5 ርአ።