ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 46

ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ርእስኻ ንየሆዋ ትውፊ ኺብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ጥራይ ከም እተምልኽን ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኸም እትህቦን ብጸሎት ኣቢልካ ትመባጽዓሉ ማለት እዩ። (መዝሙር 40:8) ድሕሪኡ፡ ትጥመቕ ኢኻ። ከምኡ ብምግባር ከኣ፡ ርእስኻ ኸም ዝወፈኻ፡ ንሰባት ተርእዮም። ርእስና ንየሆዋ ንምውፋይ እንገብሮ ውሳነ፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ። እሞ ደኣ ኸምዚ ዝኣመሰለ ረዚንን ህይወት ዚቕይርን ውሳነ ኽትገብር ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

1. ሓደ ሰብ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ርእሱ ዚውፊ፧

ብፍቕሪ ተደሪኽና ኢና ርእስና ንየሆዋ እንውፊ። (1 ዮሃንስ 4:10, 19) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (ማርቆስ 12:30) ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ድማ በቲ እንብሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ እንገብሮ እውን ነርእዮ ኢና። ከምቲ ብሓቂ ዚፋቐሩ መጻምድቲ ዚመራዓዉ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ድማ ርእስና ንዕኡ ወፊና ኽንጥመቕ ትድርኸና እያ።

2. የሆዋ ንጥሙቓት መሰኻኽሩ እንታይ በረኸት እዩ ዚህቦም፧

ምስ ተጠመቕካ፡ ኣባል እቲ ሓጐስ ዝመልኦ ስድራ ቤት የሆዋ ኽትከውን ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ንሱ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕሪ ብብዙሕ መገድታት ክትርኢ ኢኻ፣ ካብ ሎሚ ብዝያዳ ድማ ክትቐርቦ ኢኻ። (ሚልክያስ 3:16-18 ኣንብብ።) የሆዋ ኣቦ ኪዀነልካ እዩ፣ ኣብ ብዘላ ዓለም ከኣ ንዕኡን ንዓኻን ዜፍቅሩ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዝዀኑ መንፈሳውያን ስድራ ቤት ኪህልዉኻ እዮም። (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ቅድሚ ምጥማቕካ፡ እተወሰነ ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ። ብዛዕባ የሆዋ ኽትፈልጥ፡ ንዕኡ ኸተፍቅሮ፡ ብወዱ እውን ክትኣምን ኣሎካ። ኣብ መወዳእታ፡ ህይወትካ ንየሆዋ ኽትውፊ ኣሎካ። ነዚ ስጕምትታት እዚ እንተ ወሲድካን እንተ ተጠሚቕካን፡ ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትኣቱ ኢኻ። ቃል ኣምላኽ፡ “ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ” ይብል እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:21

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፍን ክትጥመቕን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ መርምር።

3. ንመን ከም እነገልግል ክንሓሪ ኣሎና

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ንየሆዋን ነቲ በዓል ዚብሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽን ኬገልግሉ ኸም ዚኽእሉ መሲልዎም ነይሩ። የሆዋ ግና ብነብዪ ኤልያስ ኣቢሉ ነዚ ግጉይ ሓሳብ ኣሪምዎ እዩ። 1 ነገስት 18:21 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እስራኤላውያን እንታይ ምርጫ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

ንሕና እውን ከም እስራኤላውያን ንመን ከም እነገልግል ክንሓሪ ኣሎና። ሉቃስ 16:13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ንየሆዋን ንኻልእን ከነገልግል ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

  • ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸም ዝሓረና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

4. ብዛዕባ እታ የሆዋ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕሪ ኣስተንትን

የሆዋ ብዙሕ ክቡር ውህበታት ሂቡና እዩ። ንሕናኸ እንታይ ኢና ኽንህቦ እንኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት

ገለ ኻብቲ የሆዋ ንዓኻ ፍቕሩ ዘርኣየሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ መዝሙር 104:14, 15 1 ዮሃንስ 4:9, 10ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ብሕልፊ ነየናይ የሆዋ ዝሃበካ ውህበታት ኢኻ እተማስወሉ፧

  • እዚ ውህበታት እዚ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር፧

ብሓቂ እንፈትዎ ህያብ እንተ ተዋሂቡና፡ ንወሃቢኡ ሞሳና ኽንገልጽ ንደሊ ኢና። ዘዳግም 16:17 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ክትሓስበሉ ኸለኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትህቦ እትድረኽ፧

5. ወፈያ ብዙሕ በረኸት የምጽእ

ብዙሓት ሰባት፡ ዝና፡ ጽቡቕ ስራሕ፡ ወይ ገንዘብ ከም ዜሐጕሶም ይኣምኑ እዮም። እዝስ ሓቂ ድዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቲ ኣብታ ቪድዮ እተራእየ ስፖርተኛ፡ ኵዕሶ እግሪ ምጽዋት ይፈቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ሞያ እቲ ዝሓደጎ ግና ስለምንታይ እዩ፧

  • ህይወቱ ንዅዕሶ እግሪ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኺውፊ ወሲኑ እዩ። እሞኸ ቕኑዕ ውሳነ ዝገበረዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣኽቢርካ ዚርአ ሞያ እዩ ነይርዎ። ካብ ሓደ ውሩይ መምህር፡ ሕጊ ኣይሁድ ኣጽኒዑ ነይሩ እዩ። ክርስትያን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ ግና ነዚ ሓዲግዎ እዩ። እሞኸ ጳውሎስ በዚ ይጠዓስ ነይሩ ድዩ፧ ፊልጲ 3:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ዝገበሮ ነገራት ከም “ጐሓፍ” ዝቘጸሮ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ክንዳኡ እንታይ እዩ ረቢሑ፧

  • ንየሆዋ ምግልጋል፡ ምስ ዝዀነ ኻልእ ህይወት ብኸመይ ተወዳድሮ፧

ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ካብቲ ዝሓደጎ ኣጸቢቑ ዚበልጽ በረኸት ረኺቡ

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ህይወትካ ንኣምላኽ ምውፋይ፡ ናይ ዕሽነት ተግባር እዩ።”

  • ርእስኻ ንየሆዋ ምውፋይ ናይ ልብምና ተግባር ከም ዝዀነ እትሓስብ ስለምንታይ ኢኻ፧

ጽማቝ

ፍቕሪ፡ ርእስና ንየሆዋ ወፊና ኽንጥመቕ ትድርኸና።

ክለሳ

  • የሆዋ ልባዊ ፍቕርን ኣምልኾን ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሆዋ ንጥሙቓት መሰኻኽሩ ዚባርኾም ብኸመይ እዩ፧

  • ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ትደሊ ዲኻ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ሓንቲ ሙዚቀኛን ሓደ ስፖርተኛን ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ዝወሰኑሉ ምኽንያት ርአ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ኸውዕላ፧—ተዘክሮ (6:54)

ርእስኻ ኽትውፊ ዚድርኽ ተወሳኺ ምኽንያታት ተመልከት።

“ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ ስለምንታይ ኢኻ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ጥሪ 2010)

ኣብዛ ሙዚቃዊት ቪድዮ እዚኣ፡ እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዚውፍዩ ሰባት ዚረኽብዎ ሓጐስ ተዓዘብ።

I Give My Life to You (4:30)

“ንሓያሎ ዓመታት፡ ‘ስለምታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ” ዘርእስቱ ታሪኽ ከተንብብ ከለኻ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ቐዳምነት እትህቦ ኽትምርምር ዝሓገዛ እንታይ ምዃኑ ኣስተብህል።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሕዳር 2012)