ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 48

ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ

ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ኣብ ጽቡቕ ግዜ ንሓጐስና ይውስኹሉ፡ ኣብ ሕማቕ ግዜ ኸኣ የበርትዑና እዮም። እንተዀነ ግና፡ ጥዑይ ዓርኪ ዚኸውን ኵሉ ሰብ ዘይምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቕ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትመርጽ እትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ሕሰበሉ።

1. እትመርጾም ኣዕሩኽ ብኸመይ ይጸልዉኻ፧

ብሓፈሻኡ፡ ከም መዋዕልትና ኢና እንኸውን። እቲ ምሳታቶም እነሕልፎ ግዜ፡ ብኣካል ይኹን ወይ ብማሕበራዊ ሚድያ፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ጽልዋ ይገብሩልና እዮም። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ [ንየሆዋ ምስ ዘየፍቅሩ] ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።” (ምሳሌ 13:20) ንየሆዋ ዜፍቅሩን ዜምልኹን ኣዕሩኽ እንተ ጌርካ፡ ምስ የሆዋ ለጊብካ ኽትመላለስን ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብርን ይሕግዙኻ እዮም። ካብ ጉባኤ ወጻኢ ናይ ቀረባ ዕርክነት እንተ ጌርካ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ የሆዋ ኼርሕቐካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንሓሪ ዜተባብዓና። ኣዕሩኽና ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ምስ ዚዀኑ፡ ንሕናን ንሳቶምን ንጥቀም ኢና። ‘ንሓድሕድና ንተባባዕን ንተሃናነጽን’ ኢና።—1 ተሰሎንቄ 5:11

2. ናይ ኣዕሩኽ ምርጫኻ ንየሆዋ ብኸመይ ይጸልዎ፧

የሆዋ ተጠንቂቑ እዩ ፈተውቱ ዚመርጽ። “ናይ ቀረባ ዕርክነቱ . . . ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” (ምሳሌ 3:32) ንየሆዋ ዘየፍቅሩ ኣዕሩኽ እንተ መሪጽና፡ ንሱ ኸመይ ይስምዖ፧ በዚ ኣመና ይጕሂ እዩ። (ያእቆብ 4:4 ኣንብብ።) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ካብ ሕማቕ ዕርክነት እንተ ርሒቕና፡ ናብ የሆዋ ዀነ ናብቶም ንዕኡ ዜፍቅሩ ኸኣ ንቐርብ እንተ ዄንና፡ ንሱ በዚ ባህ ይብሎ እዩ፡ ፈተውቱ ኽንከውን እውን ይሓርየና እዩ።—መዝሙር 15:1-4

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት መርምር፣ ንዓኻ ብሓቂ ዚጠቕመካ ዓይነት ዕርክነት ብኸመይ ከም እተማዕብል እውን ርአ።

3. ካብ ሕማቕ ዕርክነት ተጠንቀቕ

ንኣምላኽን ንመለክዒታቱን ዘይፈትዉ ሰባት ሕማቓት ኣዕሩኽ እዮም። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ከመይ ጌርና ኢና ኸይተፈለጠና ኣብ ሕማቕ ዕርክነት ክንኣቱ እንኽእል፧

ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ንዓኻ ሕማቕ ዓርኪ ኪኸውን ዚኽእል፧ ስለምንታይ፧

መዝሙር 119:63 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ጥዑይ ዓርኪ ዚዀነካ፧

ሓደ ዝመሽመሸ ቱፋሕ፡ ንዅሉ ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። ሓደ ሕማቕ ዓርኪ ብኸመይ ኪጸልወካ ይኽእል፧

4. ካባና እተፈልዩ ዓይነት ሰባት ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪዀኑና ይኽእሉ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ዳዊትን ዮናታን የዘንቱ እዩ። ክልቲኦም ኣብ በበይኑ ኽሊ ዕድመን ኵነታትን እዮም ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ ዜደንቕ ዕርክነት ነይርዎም እዩ። 1 ሳሙኤል 18:1 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣዕሩኽና ግድን ካብ ናትና ኽሊ ዕድመ ወይ ማሕበራዊ ደረጃ ጥራይ ኪዀኑ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧

ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ዚተባብዑ ብኸመይ እዮም፧

ኣብዛ ድራማ፡ ሓደ መንእሰይ ካብ ዘይተጸበዮ ቦታ ኣዕሩኽ ከም ዝረኸበ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ወለዲ ኣኪል ብዛዕባ እቲ ወዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝመስረቶ ዕርክነት ዘተሓሳሰቦም ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ፈለማ ናብቲ ዕርክነት እቲ ኸም ዚሰሓብ ዝገበሮ እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

  • ብኸመይ እዩ ንጽምዋኡ ኼሰንፍ ክኢሉ፧

5. ጽቡቕ ዕርክነት እተማዕብለሉ መገዲ

ከመይ ጌርካ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከም እትረክብ፡ ከመይ ጌርካ እውን ንስኻ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸም እትኸውን ርአ። ቪድዮ ኣጻውት

ምሳሌ 18:24 27:17ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ዚተሓጋገዙ ብኸመይ እዮም፧

  • ከምኡ ዓይነት ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣለዉኻዶ፧ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ከመይ ጌርካ ኣዕሩኽ ከተጥሪ ትኽእል፧

ፊልጲ 2:4 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምርካብ፡ ንስኻ ጥዑይ ዓርኪ ኽትከውን ኣሎካ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ትገብር፧

ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምርካብ፡ ጥዑይ ዓርኪ ኹን

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ብዘይ ዓርኪ ኻብ ምትራፍ፡ ዝዀነ ዓርኪ ይሓይሽ።”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ከለና፡ ንየሆዋ ባህ ነብሎ፡ ገዛእ ርእስና እውን ንጠቅም ኢና።

ክለሳ

  • የሆዋ ብዛዕባ ናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ዚግደስ ስለምንታይ እዩ፧

  • ካብ ምንታይ ዓይነት ዕርክነት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

  • ምስ ጥዑያት ሰባት ድልዱል ዕርክነት ክትሃንጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ጥዑያት ኣዕሩኽ ብእዋን ሽግር ብኸመይ ከም ዚጠቕሙና ርአ።

“መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣማዕብል” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሕዳር 2019)

ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምርካብ እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ከም እትኽእል ኣንብብ።

“ብኸመይ እየ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክረክብ ዝኽእል፧” (መንእሰያት ዚሓትትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ፡ ምዕራፍ 8)

ብኢንተርነት ብዛዕባ ዚግበር ዕርክነት እንታይ ክትፈልጥ ኣሎካ፧

ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ (4:12)

“ኣቦ ኽረክብ ሃረር እብል ነበርኩ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ሓደ ሰብኣይ ንናይ ኣዕሩኽ ምርጫኡ ዳግም ኪግምግም ዘለዓዓሎ እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሚያዝያ 2012)