ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 50

ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል

ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል

ውሉዳት፡ ውህበት የሆዋ እዮም። የሆዋ ድማ ንወለዲ፡ ንደቆም ጽቡቕ ገይሮም ኪሕዝዎም ይጽበዮም እዩ። ከምኡ ንምግባር ዜኽእል ጽቡቕ ምኽሪ ኸኣ ይህብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ውሉዳት ንሓጐስ ስድራ ቤቶም ኣበርክቶ ኺገብሩ ዜኽእል ምኽሪ እውን ይህብ እዩ።

1. የሆዋ ንወለዲ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

የሆዋ ንወለዲ፡ ንውሉዳቶም ኬፍቅሩን ብእተኻእሎም መጠን ምሳታቶም ነዊሕ ግዜ ኼሕልፉን ይጽበዮም እዩ። ንደቆም ካብ ጕድኣት ኬዕቍብዎምን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬሰልጥንዎምን እውን ይደልዮም እዩ። (ምሳሌ 1:8) ንኣቦታት፡ “ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ . . . ኣዕብይዎም” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (ኤፌሶን 6:4 ኣንብብ።) ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም መምርሒ የሆዋ እንተ ስዒቦም፡ ሓላፍነቶም ከኣ ንኻልእ ኣሕሊፎም እንተ ዘይሂቦም፡ የሆዋ በዚ ይሕጐስ እዩ።

2. የሆዋ ንውሉዳት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

የሆዋ ንውሉዳት፡ “ንወለድኹም . . . ተኣዘዝዎም” ዚብል ትእዛዝ ሂብዎም ኣሎ። (ቈሎሴ 3:20 ኣንብብ።) ውሉዳት ንወለዶም ዜኽብሩን ዚእዘዙን እንተ ዀይኖም፡ ንየሆዋን ንወለዶምን የሐጕስዎም እዮም። (ምሳሌ 23:22-25) የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ንወለዱ ተኣዚዝዎምን ኣኽቢርዎምን እዩ።—ሉቃስ 2:51, 52

3. ብስድራ ቤት ንኣምላኽ ብዝያዳ እትቐርብዎ ብኸመይ ኢኹም፧

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉዳትካ ኸማኻ ንየሆዋ ኼፍቅሩ ኸም እትደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ብኸመይ ክትወቕዖ ትኽእል፧ ነዚ ሸቶ ንምውቃዕ፡ ነዚ ዚስዕብ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ተግብር፦ “ንደቅኻ ድማ [ቃላት የሆዋ] ቅረጸሎም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን . . . ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረብ።” (ዘዳግም 6:7) “ቅረጸሎም” ኪብሃል ከሎ፡ ብምድግጋም ትምህሮም ማለት እዩ። ደቅኻ ሓደ ነገር ምእንቲ ኺዝክሩ፡ ደጋጊምካ ኽትነግሮም ከም ዜድሊ መሸም ፍሉጥ እዩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ድማ፡ ኣዘውቲርካ ንደቅኻ ብዛዕባ የሆዋ ኽትነግሮም ከም ዚግባእ እያ እትሕብር ዘላ። እምበኣር፡ ኣብ ሰሰሙን ብስድራ ቤት ኣምልኾ እትገብሩሉ ግዜ ምምዳብ ጽቡቕ እዩ። ውሉዳት እንተ ዘይብልካ፡ ኣብ ሰሰሙን ንመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ግዜ ብምምዳብ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንሕጉስን ንውሑስን ናብራ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ግብራዊ ሓሳባት ርአ።

4. ንደቅኻ ብፍቕሪ ኣሰልጥኖም

ንውሉድ ምስልጣን ቀሊል ኣይኰነን። እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ ያእቆብ 1:19, 20 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኪዛራረቡ ኸለዉ ብኸመይ ፍቕሮም ኬርእይዎም ይኽእሉ፧

  • ወላዲ ተቘጢዑ ኸሎ ንውሉዳቱ ኺግስጾም ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ a

5. ንደቅኻ ኣዕቍቦም

ንደቅኻ ንምዕቋብ፡ ንነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ክትምህሮም ይግባእ። እዚ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ገሊኦም ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ምዝርራብ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

  • ገሊኦም ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ብኸመይ ገሊጾምሎም፧

ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ እከይ እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። 2 ጢሞቴዎስ 3:1, 13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብ ፍቕዲ 13 እተጠቕሱ ገሊኦም እኩያት ሰባት ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ጾታዊ ህስያ ይፍጽሙ እዮም። እሞ ደኣ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራትን ገዛእ ርእሶም ካብ ህስያ ብዛዕባ ምክልኻልን ኪምህርዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ትፈልጥዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ጾታዊ ነገራትን ብኸመይ ካብ ህስያ ገዛእ ርእሶም ከም ዚከላኸሉን ዚገልጽ ብዙሕ ናውቲ ኣዳልዮም ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ርአ፦

6. ወለድኻ ኣኽብር

ቈልዑን መንእሰያትን ብኣዘራርባኦም ኣቢሎም ንወለዶም ከም ዜኽብሩ ኼርእዩ ይኽእሉ እዮም። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ውሉድ ምስ ወለዱ ብኣኽብሮት ኪዛራረብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

  • ውሉድ ንወለዱ ብኣኽብሮት ኪዛረቦም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምሳሌ 1:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ውሉድ ካብ ወለዱ መምርሒ ኺውሃቦ ኸሎ፡ እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

7. ንየሆዋ ብስድራ ቤት ኣምልኽዎ

ስድራ ቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓባር ዜምልኻሉ ሰሙናዊ መደብ ኣለወን። እዚ ኣምልኾ ስድራ ቤት እዚ ኸመይ ኪመስል ይኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ከመይ ጌርካ እዩ ስሩዕ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪግበር ዚከኣል፧

  • ወለዲ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ጠቓምን ዜሐጕስን ንምግባር እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧—ኣብ መእተዊ እዚ ትምህርቲ ዘላ ስእሊ ርአ።

  • ብሓባር መጽናዕቲ ምግባር ኣጸጋሚ ዚዀነኩም ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ የሆዋ ንስድራ ቤታት ኣዘውቲሮም ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪዛራረቡ ይጽበዮም ነይሩ እዩ። ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ነዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ክትትግብሮ ትኽእል፧

ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ሓሳባት፦

  • ንኣኼባታት ጉባኤ ተዳለዉ።

  • ስድራ ቤትኩም ዚፈትውዎ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቡን ተመያየጡሉን።

  • ደቅኻ ቘልዑ እንተ ዀይኖም፡ ካብ jw.org ንደቅኻ ዚኸውን ንጥፈታት ኣራግፍ ወይ ሕተም።

  • ደቅኻ መንእሰያት እንተ ዀይኖም፡ ኣብ jw.org ብዚርከብ ንመንእሰያት ዚኸውን ዓንቀጽ ጌርካ ኣመያይጦም።

  • ምስ ደቅኻ ሓቢርካ ንሓደ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ብተዋስኦ ኣቕርብዎ።

  • ኣብ jw.org ንዝወጸት ቪድዮ ርኣይዋን ተመያየጡላን።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ንቘልዑ ኣመና ይኸብዶም እዩ።”

  • እንታይ ምበልካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ንወለዲ፡ ንደቆም ኬፍቅሩን ኬሰልጥኑን ኬዕቍቡን፡ ንውሉዳት ድማ ንወለዶም ኬኽብሩን ኪእዘዙን ይደልዮም እዩ፣ ስድራ ቤታት ከኣ ብሓባር ኬምልኽዎ ይደሊ እዩ።

ክለሳ

  • ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ኬሰልጥንዎምን ኬዕቍብዎምን ይኽእሉ፧

  • ውሉዳት ንወለዶም ብኸመይ ኬኽብርዎም ይኽእሉ፧

  • ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ሰሙናዊ መደብ ምግባር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

ሸቶ

ዳህስስ

እንታይ ትምህርትታት እዩ ውሉድካ ምስ ዓበየ ንዚህልዎ ህይወት ዜዳልዎ፧

“ቈልዑ ኺምሃርዎ ዜድልዮም ሽዱሽተ ትምህርቲ” (ንቕሑ! ቍ. 2 2019)

መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንወለዶም ዚከናኸኑ ዘበሉ ዚህቦም ግብራዊ ምኽሪ ፍለጥ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽንክን ኣረጋውያን ወለዲ እንታይ ይብል፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ኣተዓባብያ ውሉዳት ዘይፈልጥ ዝነበረ ሰብኣይ ብኸመይ ዕዉት ኣቦ ኸም ዝዀነ ርአ።

ደቅና ብኸመይ ከም እነዕቢ፡ የሆዋ ምሂሩና (5:58)

ኣቦታት ምስ ደቆም ዘለዎም ርክብ ብኸመይ ኬደልድሉ ኸም ዚኽእሉ ኣንብብ።

“ኣቦታት ምስ ኣወዳቶም ብዝያዳ ኺቀራረቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሕዳር 2011)

a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተግሳጽ” ምስ ትምህርትን መምርሕን መአረምታን ይተሓሓዝ። ንህስያ ወይ ንጭካነ ፈጺሙ ኣየመልክትን እዩ።—ምሳሌ 4:1