ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 51

ከመይ ጌርካ ኢኻ ብዘረባኻ ንየሆዋ ባህ ከተብሎ እትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ብዘረባኻ ንየሆዋ ባህ ከተብሎ እትኽእል፧

የሆዋ ኺፈጥረና ኸሎ፡ ሓደ ዜደንቕ ውህበት፡ ማለት ናይ ምዝራብ ክእለት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። እሞ ደኣ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እዚ ውህበት ይግደስዶ፧ ብርግጽ ይግደስ እዩ! (ያእቆብ 1:26 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ንናይ ምዝራብ ክእለትና ንየሆዋ ባህ ብዜብል መገዲ ኸመይ ጌርና ኽንጥቀመሉ ንኽእል፧

1. ንውህበት ዘረባ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ይግባእ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” እዩ ዚብለና። (1 ተሰሎንቄ 5:11) እዚ መተባብዒ እዚ ዜድልዮም ሰባትዶ ትፈልጥ፧ እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኸተተባብዖም ትኽእል፧ ከም እትሓልየሎም ንገሮም። ምናልባት ብዛዕባኦም እትፈትዎ ነገር ክትነግሮም ትኽእል ትኸውን። ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ኬተባብዖ ዚኽእል ጥቕሲ ትዝክርዶ፧ ብዙሕ ምርጫ ኣሎካ። ኣዘራርባኻ እውን ማዕረ ቓላትካ ኣብ ሰባት ዓሚቝ ጽልዋ ኼሕድር ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ወትሩ ብለውሃትን ብልእመትን ክትዛረብ ጽዓር።—ምሳሌ 15:1

2. እንታይ ዓይነት ዘረባ ኢና ኽንዛረብ ዘይብልና፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕማቕ ቃል . . . ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ይብል። (ኤፌሶን 4:29 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንስምዒት ሰብ ዚጐድእ ጽዩፍ ዘረባ፡ ተሪር ቃላት፡ ወይ ሃሳዪ ዘረባ ኣይንዛረብን ማለት እዩ። ካብ ሕሜትን ጸለመን እውን ክንርሕቕ ኣሎና።—ምሳሌ 16:28 ኣንብብ።

3. ሃናጺ ዘረባ ንምዝራብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ኣብ ልብና ወይ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ኢና እንዛረብ። (ሉቃስ 6:45) ስለዚ፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት፡ ማለት ኣብ ጽድቂ ዘበለን ንጹህ ዘበለን ተፈታዊ ዘበለን ዚንኣድ ዘበለን ንምትኳር፡ ገዛእ ርእስና ኸነሰልጥን ኣሎና። (ፊልጲ 4:8) ኣብዚ ነገራት እዚ ምእንቲ ኸነተኵር፡ መዘናግዒናን ኣዕሩኽናን ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣሎና። (ምሳሌ 13:20) ብዛዕባ እቲ እንዛረቦ ነገር፡ ግዜ ወሲድና ምሕሳብ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ቃላትካ ንሰባት ብኸመይ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ” ይብል።—ምሳሌ 12:18

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንየሆዋ ባህ ብዜብልን ንሰባት ብዜተባብዕን መገዲ ብኸመይ ከም እትዛረብ ተምሃር።

4. ዘረባኻ ተቘጻጸር

ኵላትና ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገር ንዛረብ ኢና። (ያእቆብ 3:2) ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ዘረባኻ ንምቍጽጻር፡ ካብዚ ባህርያት እዚ ብዛዕባ እንታይ ክትጽሊ ትኽእል፧ እዚ ባህርያት እዚኸ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ናይ ኣዕሩኽን ናይ መዘናግዕን ምርጫኻ ኣብ ዘረባኻ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

መክብብ 3:1, 7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ስቕ ምባል ወይ ንዝሓሸ ኣጋጣሚ ምጽባይ ግቡእ ዚኸውን መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧

5. ብዛዕባ ሰባት ኣወንታዊ ነገር ተዛረብ

ከመይ ጌርና ኢና ንሰብ ከይንጸርፍ ወይ ጐዳኢ ነገር ከይንዛረብ ክንጥንቀቕ እንኽእል፧ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ እቲ ሓው ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዚዛረበሉ መገዲ ዝቐየረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ለውጢ ንምግባር እንታይ እዩ ገይሩ፧

መክብብ 7:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ብዛዕባ ሰብ ኣሉታዊ ነገር ንምዝራብ ክንፍተን ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

መክብብ 7:21, 22 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ሓደ ሰብ ብዛዕባኻ ኣሉታዊ ነገር ኪዛረብ ከሎ፡ እዚ ፍቕድታት እዚ ኸይትቝጣዕ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

6. ንስድራ ቤትካ ብለውሃት ተዛረቦም

የሆዋ ምስ ስድራ ቤትና ብለውሃትን ብፍቕርን ክንዛራረብ ይደልየና እዩ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንስድራ ቤትካ ብለውሃት ንምዝራብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

ኤፌሶን 4:31, 32 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ ንስድራ ቤትና ዚሃንጽ፧

የሆዋ ብዛዕባ ወዱ የሱስ እንታይ ከም ዚስምዖ ገሊጹ እዩ። ማቴዎስ 17:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምስ ስድራ ቤትካ ኣብ እትዛራረበሉ መገዲ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንየሆዋ ኽትመስሎ እትኽእል፧

ንኻልኦት እትንእደሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣብ ልበይ ዘሎ እየ ዝዛረብ። ካልኦት ዘረባይ እንተ ዘይፈተውዎ፡ ኣይዓጥጠንን እዩ።”

  • ምስዚ ትሰማማዕዶ፧ ስለምንታይ፧

ጽማቝ

ቃላት ሓይሊ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ እንዛረቦ ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ እንዛረበሉ እዋን፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ እንዛረበሉ መገዲ ኽንሓስብ ኣሎና።

ክለሳ

  • ገለ ኻብቲ ብዘረባኻ ጌርካ ንሰባት እትሕግዘሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

  • እንታይ ዓይነት ዘረባ ኢኻ ኽትዛረብ ዘይብልካ፧

  • ኣብ ዘረባና ወትሩ ለዋሃትን ሃነጽትን ንምዃን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣወንታዊ ዘረባ ኽንዛረብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ልሳን ጥበበኛታት ኣጥሪ (8:04)

ሕማቕ ዘረባ ኸይትጥቀም እንታይ ከም ዚሕግዘካ ተምሃር።

“ጸርፊ ብሓቂዶ ጌጋ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ካብ መጻወድያ ሕሜት ብኸመይ ከተምልጥ ከም እትኽእል ርአ።

ንሕሜት ብኸመይ ክዓግቶ እኽእል፧ (2:36)

የሆዋ ንሓደ ሰብ፡ ኣብቲ ጸርፊ ንምሕዳግ ዝገበሮ ቓልሲ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ኣንብብ።

“ህይወተይ ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ኣርዚነ ኽሓስብ ጀመርኩ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ነሓሰ 2013)