ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 57

ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርካኸ፧

ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርካኸ፧

ንየሆዋ ኣጸቢቕካ እተፍቅሮ፡ ዜጕህዮ ኸይትገብር ድማ ዚከኣለካ እትጽዕር እኳ እንተ ዀንካ፡ ሓሓሊፍካ ግና ክትጋገ ኢኻ። ገሊኡ ሓጢኣት ከኣ ከቢድ እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ከቢድ ሓጢኣት ኣብ እትገብረሉ እዋን፡ እታ የሆዋ ንዓኻ ዘላቶ ፍቕሪ ኣይትቕህምን እያ፣ የግዳስ፡ ይቕረ ኺብለልካን ኪሕግዘካን እዩ ዚደሊ።

1. የሆዋ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ምስ ፈለጡ፡ ብዙሕ ይጕህዩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ በቲ የሆዋ ንህዝቡ፡ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ይጸናንዑ እዮም። (ኢሳይያስ 1:18) ካብ ልብና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ይብለልና እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እንንሳሕ፧ ብልባዊ ጣዕሳ ተደሪኽና፡ ሕማቕ ምግባር ንሓድግን ካብ የሆዋ ይቕረታ ንልምንን ኢና። ድሕሪኡ፡ ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሓና ግጉይ ኣተሓሳስባ ወይ ልማድ ንምልዋጥ ዚከኣለና ንገብር ኢና፣ ብንጹህ መለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ እውን ንጽዕር ኢና።—ኢሳይያስ 55:6, 7 ኣንብብ።

2. ክንሓጥእ ከለና፡ የሆዋ ብሽማግለታት ገይሩ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ፡ ከቢድ ሓጢኣት ንዚገብር ዘበለ፡ “ንሽማግለታት ጉባኤ ይጸውዕ” ዚብል ምሕጽንታ ሂብዎ ኣሎ። (ያእቆብ 5:14, 15 ኣንብብ።) እዞም እተሸሙ ሰባት ንየሆዋን ንኣባጊዑን ፍቕሪ ኣለዎም። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነዐሪ ድማ ኪሕግዙና ዜኽእል ብቕዓት ኣለዎም።—ገላትያ 6:1

እሞ ደኣ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ብኸመይ እዮም ሽማግለታት ዚሕግዙና፧ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽማግለታት ብቕዱሳት ጽሑፋት ይእርሙና እዮም። ዳግም ከይንሓጥእ ከኣ ግብራዊ ሓሳባትን መተባብዕን ይህቡና እዮም። መንፈሳዊ ጥዕናና ኽሳዕ ዚምለሰልና ድማ፡ ኣብ ገሊኡ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ከይንሳተፍ ይድርቱና ይዀኑ። ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ገይሩስ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ፡ ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ኻብ ጐዳኢ ጽልዋታት ምእንቲ ኼዕቍቡ ኢሎም፡ ነቲ ሰብ ይውግድዎ እዮም።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ እቲ ኸቢድ ሓጢኣት ኣብ እንገብረሉ እዋን የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ መገዲ ዘሎካ ግንዛበን ሞሳን ኣዕዝዝ።

3. ሓጢኣትና ምንዛዝ ክንሓዊ ይሕግዘና

እንገብሮ ዘበለ ሓጢኣት፡ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ፣ ስለዚ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዘሉ ኣሎና። መዝሙር 32:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ሓጢኣትና ኽንሓብእ ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ንየሆዋ ኽንናዘዘሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓጢኣትና ንየሆዋ ኣብ ርእሲ ምንዛዝና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ምስ እንደሊ እፎይታ ንረክብ ኢና። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ሽማግለታት ንካኖን፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ ብኸመይ ሓጊዞምዎ፧

ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ግልጽን ሓቀኛታትን ክንከውን ኣሎና፣ ኪሕግዙና እዮም ዚደልዩ። ያእቆብ 5:16 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ሓቀኛታት ምዃንና፡ ኪሕግዙና ዝቐለለ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧

ሓጢኣትካ ተናዘዝ፡ ንሽማግለታት እቲ ሓቂ ንገሮም፡ ካብ የሆዋ ድማ ፍቕራዊ ሓገዝ ተቐበል

4. ውገዳ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ

ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ መለክዒታት የሆዋ ምስዓብ እንተ ኣብዩ፡ ክፍሊ ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ይውገድ እዩ፣ ንሕና ድማ ምስኡ ኣይንቀራረብን ወይ እውን ኣይንዛረብን ኢና። 1 ቈረንቶስ 5:6, 11 2 ዮሃንስ 9-11ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ከምቲ ማይ ብሑቝ ንብሑቝ ዜብኵዖ፡ ምስ ዘይንሳሕ ሓጥእ ምቅርራብ ንብዘላ እታ ጉባኤ ዚጸልዋ ብኸመይ እዩ፧

ተወጊዶም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ተግሳጽ ዜሕምም እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ልቦም ኪምለሱ ስለ ዘኽኣሎም ግና፡ ደሓር ናብ ጉባኤ ተመሊሶም እዮም። (መዝሙር 141:5) ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ድራማ፡ ውገዳ ንሶንያ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

ስርዓት ውገዳ ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብኸመይ ይሕግዝ፧

  • ስም የሆዋ ኣብ ምኽባር

  • የሆዋ ሚዛናውን ፈቃርን ምዃኑ ኣብ ምርኣይ

5. ክንንሳሕ ከለና፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና

ሓደ ሰብ ኪንሳሕ ከሎ፡ እዚ ንየሆዋ እንታይ ስምዒት ከም ዚፈጥረሉ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ የሱስ ምሳሌ መሲሉ ኣሎ። ሉቃስ 15:1-7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧

ህዝቅኤል 33:11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንስሓ እንታይ ኣገዳሲ ስጕምቲ የጠቓልል፧

ከምቲ ጓሳ ንበጊዑ ዚሓልየላ፡ የሆዋ ድማ ንበጊዑ ኣጸቢቑ ይሓልየላ

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንሽማግለታት ሓጢኣተይ እንተ ነጊረዮም፡ ከይውገድ እፈርህ እየ።”

  • ከምዚ ንዚስምዖ ሰብ እንታይ ምበልካዮ፧

ጽማቝ

ከቢድ ሓጢኣት ምስ ገበርና፡ ካብ ልቢ እንተ ጕሂናን ሕማቕ ከይንገብር እንተ ቘሪጽናን፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና እዩ።

ክለሳ

  • ሓጢኣትና ንየሆዋ ኽንናዘዘሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሓጢኣትና ምእንቲ ይቕረ ኺብሃለልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

  • ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሸቶ

ዳህስስ

ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 1:18 እተገልጸ ምሕረት የሆዋ ብኸመይ ኣብ ህይወቱ ኸም ዝረኣዮ ርአ።

ብምሕረት የሆዋ ኸቶ ኣይትጠራጠር (5:02)

ስርዓት ውገዳ ንዅሉ እቲ ምስቲ ጉዳይ ዚተሓሓዝ ሰብ ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧

“ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ሚያዝያ 2015)

ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ ሰብ ብዛዕባ ስርዓት ውገዳ ብኸመይ ከም እትገልጸሉ ፍለጥ።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት ሃይማኖቶም ንዝነበሩ ሰባት የርሕቕዎም ድዮም፧” (ዓንቀጽ ወብ)

“ናብ የሆዋ ኽምለስ ነበረኒ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ሓደ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ ሰብ፡ የሆዋ መሊሱ ኸም ዝሰሓቦ ዀይኑ ስለምንታይ ከም እተሰምዖ ኣንብብ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሚያዝያ 2012)