ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 58

ወትሩ ንየሆዋ እሙን ኩን

ወትሩ ንየሆዋ እሙን ኩን

ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ኺዓግቶ ኣይፈቕዱን እዮም። ከምኡ ኸም ዚስምዓካ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ንተኣማንነትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (1 ዜና መዋእል 28:9 ኣንብብ።) እሞ ደኣ እንታይ ኵነታት እዩ ነቲ ንዕኡ ዘሎካ ተኣማንነት ኪፍትኖ ዚኽእል፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ነዚ ኽትሰግሮ ትኽእል፧

1. ሰባት ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብኸመይ ኪፍትንዎ ይኽእሉ፧

ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ ምግልጋል ክንሓድጎ ይፍትኑና እዮም። መን ከምኡ ኺገብር ይኽእል፧ ገሊኦም ካብ ሓቂ ዝወጹ ሰባት፡ እምነትና ኼፍርሱ ኢሎም ብዛዕባ ውድብ ኣምላኽ ሓሶት ይነዝሑ እዮም። ንሳቶም ከሓድቲ ይብሃሉ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት እውን ንገርህታት ካብ ሓቂ ኼውጽኡ ኢሎም ብዛዕባና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ይነዝሑ እዮም። ምስ ተጻረርቲ ምምጓት፡ መጻሕፍቶም ምንባብ፡ ናብ ወብሳይቶም ምእታው፡ ወይ ቪድዮታቶም ምርኣይ ሓደገኛ እዩ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ኸይተገልግል ዕንቅፋት ዚዀኑ ሰባት፡ “ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ።—ማቴዎስ 15:14

ሓደ እንፈልጦ ሰብ ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን እንተ ዘይደልዩኸ፧ እንቐርቦ ሰብ ከምኡ ምስ ዚገብር ልብና ይስበር ይኸውን። እቲ ሰብ እቲ፡ ካብኡ ወይ ካብ የሆዋ ሓዲኦም ክንመርጽ ይግድደና ይኸውን። ንሕና ግና ልዕሊ ዅሉ ንኣምላኽ እሙናት ንምዃን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። (ማቴዎስ 10:37) ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ኸይንሓብር ዝሃበና ትእዛዝ ንሕሉ ኢና።—1 ቈረንቶስ 5:11 ኣንብብ።

2. እንታይ ብሕታዊ ውሳነታት እዩ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኪፍትኖ ዚኽእል፧

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ፈጺምና ኸይንተናኸ ትድርኸና እያ። ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምትሕሓዝ ኣብ ዘለዎ ስራሕ፡ ውድብ፡ ወይ ንጥፈት ክንሳተፍ ኣይግባእን እዩ። የሆዋ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ . . . ካብኣ [ካብ ዓባይ ባቢሎን] ውጹ” ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ።—ራእይ 18:2, 4

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ዋላ ሓደ ነቲ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ምእንቲ ኸየዳኽሞ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ፍለጥ። ብዘይካዚ፡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ብምውጻእ ብኸመይ ተኣማንነትካ ኸተርኢ ኸም እትኽእል ርአ።

3. ካብ ናይ ሓሶት መምህራን ተጠንቀቕ

ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ኣሉታዊ ነገር እንተ ሰሚዕና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ምሳሌ 14:15 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ዝሰማዕናዮ ዅሉ ኽንኣምን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ካልኣይ ዮሃንስ 10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ምስ ከሓድቲ ርክብ ኪህልወና ይግባእዶ፧

  • ምስ ከሓድቲ ብቐጥታ ዘይንራኸብ እኳ እንተ ዀንና፡ ምስ ትምህርትታቶም ብኸመይ ክንራኸብ ንኽእል፧

  • የሆዋ ነቲ ብዛዕባኡ ወይ ብዛዕባ ውድቡ ዚውረ ኣሉታዊ ዘረባ ነቕልበሉ እንተ ዄንና፡ ከመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧

4. ሓደ ሓው ኪሓጥእ ከሎ፡ ንየሆዋ እሙን ኩን

ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ግዴታ እዩ ዘሎና፧ ኣብቲ ንጥንታዊት እስራኤል እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓት እስከ ንርአ። ዘሌዋውያን 5:1 ኣንብብ።

ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ፈሊጥና፡ ንሽማግለታት ክንነግሮም ኣሎና። ከምኡ ቕድሚ ምግባርና ግና፡ ነቲ ኣባሲ ባዕሉ ናብ ሽማግለታት ከይዱ ሓጢኣቱ ኺናዘዝ እንተ ኣተባባዕናዮ ጽቡቕ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ በቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ተደሪኽና ንሽማግለታት ክንነግሮም ኣሎና። ከምዚ ምግባርና ነዞም ዚስዕቡ ብተኣማንነት ከም እነፍቅሮም ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

  • ንየሆዋ ኣምላኽ

  • ነቲ ዝሓጥአ ሰብ

  • ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት

ሓደ ክርስትያን ብጻይካ ኣብ ጸገም እንተ ኣትዩ፡ ሓግዞ!

5. ካብ ዓባይ ባቢሎን ውጻእ

ሉቃስ 4:8 ራእይ 18:4, 5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መልስ፦

  • ስመይ ከም ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኰይኑዶ ተረቚሑ ኣሎ፧

  • ኣባል ሓንቲ ምስ ካልእ ሃይማኖት እተኣሳሰረት ውድብ ድየ፧

  • ስራሐይ ብዝዀነ መገዲ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ይድግፍ ድዩ፧

  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክፍለየሉ ዘሎኒ ኻልእ መዳያት ኣሎዶ፧

  • ንሓደ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢለ እንተ መሊሰ፡ እንታይ ለውጥታት ክገብር ኣሎኒ፧

ኣብ ኵሉ መዳያት፡ ንጹህ ሕልና ኽትሕዝ ዜኽእለካ ውሳነ ግበር፡ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ድማ ኣርኢ።

ንሃይማኖታዊ ግብረ ሰናይ ክትውፊ እንተ ተሓቲትካ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንሓቂ ምእንቲ ኽጣበቐላ፡ ከሓድቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይብሉ ኸም ዘለዉ ኽፈልጥ ኣሎኒ።”

  • እዝስ ጥበባዊ ድዩ፧ ስለምንታይ፧

ጽማቝ

ወትሩ ንየሆዋ እሙን ንምዃን፡ ምስ ዘይእሙናት ክንሓብር የብልናን። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እውን ምሉእ ብምሉእ ክንፍለ ኣሎና።

ክለሳ

  • ሓሳባት ከሓድቲ ኽንርኢ፡ ከነንብብ፡ ወይ ክንሰምዕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

  • ምስቶም ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ዘይደልዩ ሰባት ርክብ ኪህልወና ኣለዎዶ፧

  • ነቲ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንወጽእ እተዋህበና መጠንቀቕታ ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ካልኦት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓሶት ወረ ኺነዝሑ ኸለዉ እንታይ ከም እትገብር ፍለጥ።

“ቅኑዕ ሓበሬታ ኣሎካ ድዩ፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነሓሰ 2018)

ገሊኦም ተጻረርቲ ንእምነትና ንምድኻም እንታይ ገይሮም፧

ከይትታለል ተጠንቀቕ (9:32)

“ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ንኣምላኽ እደልዮ ነይረ እየ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ሓደ ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝነበሮ ርክብ ዝበተኸ ኻህን ሺንቶ ኣንብብ።

“መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 2011)