ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 59

መስጐጕቲ ኽትጻወር ትኽእል ኢኻ

መስጐጕቲ ኽትጻወር ትኽእል ኢኻ

ይውዓል ይሕደር፡ ኵሎም ክርስትያናት ተቓውሞ ወይ ካብኡ ሓሊፉ እውን መስጐጕቲ ኼጋጥሞም እዩ። እዝስ ኬፍርሃና ኣለዎ ድዩ፧

1. መስጐጕቲ እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም” ይብል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) የሱስ ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ብዘይምዃኑ፡ ተሰጒጉ እዩ። ንሕና እውን ክፍሊ እዛ ዓለም ኣይኰንናን፣ ስለዚ፡ ካብ መንግስትታት ዓለምን ሃይማኖታዊ ውድባትን መስጐጕቲ እንተ ኣጋጠመና ኣይገርመናን እዩ።—ዮሃንስ 15:18, 19

2. ንመስጐጕቲ ኸመይ ጌርና ኽንዳሎ ንኽእል፧

ሕጂ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኸነደልድል ኣሎና። መዓልቲ መዓልቲ ግዜ መዲብካ ናብኡ ጸሊ፡ ቃሉ እውን ኣንብብ። ኣዘውቲርካ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ተኣከብ። እዚ ንጥፈታት እዚ ንዜጋጥመካ ዘበለ መስጐጕቲ፡ ዋላ እውን ካብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ንዜጋጥመካ ተቓውሞ ብትብዓት ክትሰግር ዜኽእል ብርታዐ ይህበካ እዩ። እቲ ብዙሕ መስጐጕቲ ዘጋጠሞ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—እብራውያን 13:6

ብተወሳኺ፡ ኣዘውቲርና ብምስባኽ፡ ትብዓት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ስብከት ኣብ የሆዋ ኸም እንውከልን ፍርሂ ሰብ ከም እነሰንፍን ይገብረና እዩ። (ምሳሌ 29:25) ሕጂ ንምስባኽ ዜኽእል ትብዓት እንተ ኣጥሪኻ፡ መንግስቲ ንዕዮና ኣብ ዚቕይደሉ እዋን እኳ ብቐጻሊ ንምስባኽ ድሉው ኴንካ ትጸንሕ ኢኻ።—1 ተሰሎንቄ 2:2

3. መስጐጕቲ እንተ ተጻዊርና ብኸመይ ንጥቀም፧

መስጐጕቲ ኣየሐጕሰናን እዩ፣ መስጐጕቲ ኽንጻወር ከለና ግና፡ እምነትና ትድልድል እያ። ሓይልና ኸም እተጸንቀቐ ዀይኑ ኣብ ዚስምዓና እዋን ሓገዝ የሆዋ ስለ እንርኢ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና። (ያእቆብ 1:2-4 ኣንብብ።) መከራ ኽንጸግብ ከለና፡ የሆዋ ይጕሂ እዩ፣ ክንጻወር ከለና ግና፡ ባህ ይብሎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰናይ ብምግባርኩም መከራ እንተ ተጻዊርኩም፡ . . . እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 2:20) የሆዋ ንዅሎም እቶም ብተኣማንነት ዚጻወሩ ዘበሉ ዓስቦም ኪህቦም እዩ። ሽዑ፡ ንሳቶም ካብ ተቓውሞ ናጻ ኣብ ዝዀነት ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ማቴዎስ 24:13

ኣዕሚቝካ ዅዓት

መስጐጕቲ እናሃለወ ኽነሱ፡ ብተኣማንነት ናብ የሆዋ ምልጋብ ስለምንታይ ከም ዚከኣልን ንሱ ብኸመይ ዓስብና ኸም ዚህበናን ርአ።

4. ካብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ተቓውሞ ኽትጻወር ትኽእል ኢኻ

ስድራ ቤትና ነቲ ንየሆዋ ንምምላኽ እንገብሮ ውሳነ ኸይድግፍዎ ኸም ዚኽእሉ የሱስ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ማቴዎስ 10:34-36 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኼገልግል ምስ ወሰነ፡ ካብ ኣባላት ስድራ ቤቱ እንታይ ኬጋጥሞ ይኽእል፧

ሓደ ኣብነት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ቤተ ሰብካ ወይ ፈታዊኻ ንየሆዋ ምግልጋል ምእንቲ ኽትሓድጎ ጸቕጢ ኺገብረልካ እንተ ፈቲኑ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

መዝሙር 27:10 ማርቆስ 10:29, 30ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ካብ ስድራ ቤትካ ወይ ፈተውትኻ ተቓውሞ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እዚ ኣብዚ እተኣትወልና ቓል ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

5. መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣጋጠመካ፡ ንየሆዋ ኣገልግሎ

ገሊኦም ኬጐናድቡና ኣብ ዚፍትኑሉ እዋን ንየሆዋ ምግልጋል ትብዓት ይሓትት እዩ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ካብቲ ኣብዛ ቪድዮ ዘለዉ ኣብነታት እንታይ ኣበርቲዑካ፧

ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29 እብራውያን 10:24, 25ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ዕዮ ስብከትና ወይ ኣኼባታትና እኳ እንተ ተቐየደ፡ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኪቕጽል ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6. ምእንቲ ኽትጻወር፡ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ

ኣብ በበይኑ ዕድመን ድሕረ ባይታን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልጊሎምዎ እዮም። እንታይ ከም ዝሓገዞም ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈተናታት ኪጻወሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

ሮሜ 8:35, 37-39 ፊልጲ 4:13ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ዝዀነ ፈተና ኽትጻወር ከም እትኽእል እተረጋግጸልካ ብኸመይ እያ፧

ማቴዎስ 5:10-12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ሕጉስ ክትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

ሚልዮናት ኣምለኽቲ የሆዋ ንዚወርዶም ተቓውሞ ብዓወት ተጻዊሮም እዮም። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ!

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መስጐጕቲ ኽጻወር ኣይክእልን እየ።”

  • እንታይ ጥቕስታት እዩ ምትእምማን ኬሕድረሎም ዚኽእል፧

ጽማቝ

የሆዋ ነቲ መስጐጕቲ እናሃለወ ኽነሱ፡ ከነገልግሎ እንገብሮ ጻዕርታት ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ብሓገዙ፡ ክንጻወር ንኽእል ኢና።

ክለሳ

  • ክርስትያናት መስጐጕቲ ኺጽበዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

  • መስጐጕቲ ንዚመጸሉ እዋን ድሉው ንምዃን፡ ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ፈተና ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኸም እትኽእል ንምትእምማን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ሸቶ

ዳህስስ

ሓደ መንእሰይ ብሰንኪ ገለልትነቱ ምስ ተኣስረ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ኺገልጽ ከሎ ተመልከት።

ተጻወር—መስጐጕቲ (2:34)

ንሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ትሕቲ ተቓውሞ ንብዙሕ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግልዎ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ርአ።

ለውጥታት እናሃለወ ኽነሱ ንየሆዋ ኣገልጊናዮ (7:11)

ንመስጐጕቲ ብትብዓት ክንዋጽኣሉ ዚሕግዝ እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

“ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ተዳሎ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሓምለ 2019)

ካብ ስድራ ቤት ንዜጋጥም ተቓውሞ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ ነቲ ብድሆታቱኸ ኸመይ ጌርና ኽንሰግሮ ንኽእል፧

“ሓቂ፡ ‘ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ’ ተምጽእ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ ጥቅምቲ 2017)