ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 60

ብቐጻሊ ዕቤት ግበር

ብቐጻሊ ዕቤት ግበር

ኣብ ብዘሎ እዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ተማሂርካ ኢኻ። እቲ እተምሃርካዮ ኸኣ ፍቕርኻ ኸም ዚዓዝዝ ስለ ዝገበረ፡ ርእስኻ ወፊኻን ተጠሚቕካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸምኡ ንምግባር ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ዕቤትካ ኣብ ጥምቀት ኣየብቅዕን እዩ። ንዘለኣለም ንየሆዋ ኽትቀርቦ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧

1. ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ብቐጻሊ ኸተደልድል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ብቐጻሊ ንምድልዳል ክንጽዕር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ካብኡ “ምእንቲ ኸይንውሰድ።” (እብራውያን 2:1) ብቐጻሊ ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ትሑዛት ክንከውንን ንየሆዋ ብኻልእ መገድታት ብዝያዳ ኸነገልግሎን ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 3:16 ኣንብብ።) ንየሆዋ ምግልጋል፡ ብሉጽ መገዲ ህይወት እዩ!—መዝሙር 84:10

2. እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኢና ብቐጻሊ ኽንገብር ዘሎና፧

እዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይውዳእ እኳ እንተሎ፡ ክርስትያናዊ ህይወትካ ግና ይቕጽል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓድሽ ስብእና . . . ልበሱ” ይብለና እዩ። (ኤፌሶን 4:23, 24) ብቐጻሊ ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትእከብን ከለኻ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ባህርያቱን ሓድሽ ነገራት ክትፈልጥ ኢኻ። እምበኣር፡ ኣብ ህይወትካ ንዕኡ ብዝያዳ እትመስለሉ መገድታት ኣናዲ። ንየሆዋ ንምሕጓስ፡ ብቐጻሊ ኣድላዪ ለውጥታት ግበር።

3. ዕቤት ንምግባር፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ . . . ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ እዩ። ኬጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:10) ኵላትና ፈተናታት የጋጥመና እዩ። የሆዋ ግና ንፈተና ኽንጻረር ዜድልየና ዘበለ ይህበና እዩ። (መዝሙር 139:23, 24) ንዓኻ እውን ብተኣማንነት ንምግልጋል ዜኽእል ድሌትን ዓቕምን ከም ዚህበካ ቓል ኣትዩ ኣሎ።—ፊልጲ 2:13 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ከመይ ጌርካ ብቐጻሊ ዕቤት ከም እትገብርን ብኸመይ የሆዋ ኸም ዚባርኸካን ርአ።

4. ነቲ ብሉጽ ዓርክኻ ወትሩ ተዛረቦን ስምዓዮን

ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ኣኽኢሉካ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ንጥፈታት እዚ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ዜኽእለካ ብኸመይ እዩ፧

መዝሙር 62:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ንምድልዳል፡ ጸሎትካ ብኸመይ ከተመሓይሽ ትኽእል፧

መዝሙር 1:2ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ንምድልዳል፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብኸመይ ከተመሓይሽ ትኽእል፧

ካብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ኸመይ ጌርካ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧ ገለ ሓሳባት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ ዚርከብ እንታይ ሓሳባት ኢኻ ኽትትግብር እትኽእል፧

  • እንታይ ርእሰ ነገራት ኢኻ ኸተጽንዕ እትደሊ፧

5. መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሸቶታት እንተ ኣልዩካ፡ ብቐጻሊ ዕቤት ክትገብር ይሕግዘካ እዩ። ቪድዮ ኣጻውት ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ካመሮን መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻኣ እተጠቕመት ብኸመይ እያ፧

ንስብከት ናብ ካልእ ሃገር ኪግዕዝ ዚኽእል ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። ኵላትና ግና ሚዛናዊ ሸቶታት ከነውጽእ ንኽእል ኢና። ምሳሌ 21:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ኣብዚ ዚስዕብ እንታይ ሸቶታት ከተውጽእ ከም እትደሊ ርአ፦

  • ኣብ ጉባኤ

  • ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ

ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘሎ ስርዓት፡ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ብኸመይ ይሕግዘካ፧

ክትሓስበሉ እትኽእል ሸቶታት

  • ጸሎትካ ኣመሓይሽ።

  • ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ።

  • ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ዅሎም ፍለጦም።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምርን ምራሕን።

  • ሓጋዚ ፈላሚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ኣገልግል።

  • ሓው እንተ ዄንካ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንምዃን ተመጣጠር።

6. ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!

መዝሙር 22:26 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ሕጅን ንዘለኣለምን ብህይወት ንምንባር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ጽማቝ

ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ብቐጻሊ ኣደልድል፡ ብቐጻሊ እውን መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ። ሽዑ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ክትነብር ኢኻ!

ክለሳ

  • የሆዋ ብተኣማንነት ከተገልግሎ ኸም ዚሕግዘካ ኽትተኣማመን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ከተደልድል ትኽእል፧

  • መንፈሳዊ ሸቶታት፡ ዕቤት ንምግባር ብኸመይ ይሕግዘካ፧

ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶ

ዳህስስ

የሆዋ እንታይ እዩ ብዝያዳ ኣኽቢሩ ዚርኢ፡ ኣብ ሓደ እዋን እነርእዮ ዓብዪ ተኣማንነትዶ ወይስ ወትሩ ንዕኡ እሙን ምዃን፧

ከም ኣብርሃም እሙን ኩን (9:20)

እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ እኳ ሓጐሱ ኼጥፍእ ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ ሓጐሱ መሊሱ ኸም ዚረክብ ርአ።

ከም ቀደምካ ኽትሕጐስ፡ ኣጽንዕን ኣስተንትንን (5:25)

ከመይ ጌርካ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእን ነቲ ሸቶታት ክትወቕዖን ትኽእል፧

“መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ሓምለ 2004)

ክርስትያናዊ ብስለት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርካኸ ናብኡ ኽትበጽሕ ትኽእል፧

“ናብ ብስለት ኣቢልካ ሰጕም—‘እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ’” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ግንቦት 2009)