ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክለሳ 1ይ ክፋል

ክለሳ 1ይ ክፋል

ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምስ መምህርካ ተመያየጠሉ፦

  1. ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዜተስፍዎ ተስፋታት እንታይ ይስሕበካ፧

    (ትምህርቲ 02 ርአ።)

  2. መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

  3. ስም የሆዋ ምጥቃም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

    (ትምህርቲ 04 ርአ።)

  4. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ምንጪ ህይወት” ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (መዝሙር 36:9) ነዝስ ትኣምነሉ ዲኻ፧

    (ትምህርቲ 06 ርአ።)

  5. ምሳሌ 3:32 ኣንብብ።

    •   የሆዋ ብሉጽ ዓርኪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

    •   የሆዋ ኻብ ኣዕሩኹ እንታይ ይጽበ፧ እዝስ ግቡእዶ ይመስለካ፧

  6. መዝሙር 62:8 ኣንብብ።

    •   ክሳዕ ሕጂ ናብ የሆዋ ብዛዕባ እንታይ ነገራት ጸሊኻ፧ ብዛዕባ እንታይ ተወሳኺ ነገራትከ ኽትጽሊ ትኽእል፧

    •   የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧

      (ትምህርቲ 09 ርአ።)

  7. እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

    •   ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧

    •   ኣብ ኣኼባታት ምእካብሲ ጥቕሚ ዘለዎዶ ይመስለካ፧

      (ትምህርቲ 10 ርአ።)

  8. ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መደብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኸመይ እዩ፧

    (ትምህርቲ 11 ርአ።)

  9. ክሳዕ ሕጂ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነየናይ ፈቲኻዮ፧

  10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እትጅምር ንነጀው፡ እንታይ ጸገማት ኣጓኒፉካ፧ ብቐጻሊ መጽናዕቲ ምእንቲ ኽትገብር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

    (ትምህርቲ 12 ርአ።)