ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክለሳ 2ይ ክፋል

ክለሳ 2ይ ክፋል

ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምስ መምህርካ ተመያየጠሉ፦

  1. ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ኪገብራ እዩ፧

    (ትምህርቲ 13 ርአ።)

  2. ዘጸኣት 20:4-6 ኣንብብ።

    •   የሆዋ ብዛዕባ እቶም ‘ብምስልታት ጌርና ንዕኡ ነምልኾ ኢና’ ዚብሉ እንታይ ይስምዖ፧

      (ትምህርቲ 14 ርአ።)

  3. የሱስ መን እዩ፧

    (ትምህርቲ 15 ርአ።)

  4. ካብ ባህርያት የሱስ እንታይ እዩ ዚስሕበካ፧

    (ትምህርቲ 17 ርአ።)

  5. ዮሃንስ 13:34, 35 ግብሪ ሃዋርያት 5:42ን ኣንብብ።

    •   ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን እዮም፧ ንሳቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኖም ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

  6. ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ መን እዩ፧ ንጉባኤኡኸ ብኸመይ እዩ ዚመርሓ፧

    (ትምህርቲ 20 ርአ።)

  7. ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።

    •   እዚ ትንቢት እዚ ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

    •   ነዚ ብስራት እዚ ንመን ነጊርካ፧

  8. ጥምቀት ኣገዳሲ ሸቶዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

    (ትምህርቲ 23 ርአ።)

  9. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ኻብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክትከላኸለላ እትኽእል፧

    (ትምህርቲ 24 ርአ።)

  10. ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

    (ትምህርቲ 25 ርአ።)

  11. መከራን ሞትን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

    (ትምህርቲ 26 ርአ።)

  12. ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

    •   የሆዋ ንዓና ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን እንታይ ገይሩ ኣሎ፧

      (ትምህርቲ 27 ርአ።)

  13. መክብብ 9:5 ኣንብብ።

    •   ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

    •   የሱስ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ቢልዮናት እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧

  14. መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት እትበልጽ ብኸመይ እያ፧

  15. መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝእ ከም ዘላስ ትኣምን ዲኻ፧ ስለምንታይ፧ መዓስ እያ ኽትገዝእ ጀሚራ፧

    (ትምህርቲ 32 ርአ።)