ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክለሳ 3ይ ክፋል

ክለሳ 3ይ ክፋል

ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምስ መምህርካ ተመያየጠሉ፦

  1. ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

    • ንየሆዋ እሙን ክትከውን እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

      (ትምህርቲ 34 ርአ።)

  2. መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ትእዛዝ ኣብ ዘይህበሉ መዳያት፡ ብኸመይ ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብር ትኽእል፧

    (ትምህርቲ 35 ርአ።)

  3. ከመይ ጌርካ ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽትመላለስ ትኽእል፧

    (ትምህርቲ 36 ርአ።)

  4. ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ።

    • ምስ ስራሕን ገንዘብን ብዚተሓሓዝ፡ ከመይ ጌርካ ‘ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ’ ክትደሊ ትኽእል፧

      (ትምህርቲ 37 ርአ።)

  5. ንህይወት ከምቲ የሆዋ ዜኽብራ ጌርካ ኸም እተኽብራ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

    (ትምህርቲ 38 ርአ።)

  6. ግብሪ ሃዋርያት 15:29 ኣንብብ።

    • ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ትእዛዝ ብኸመይ ከተኽብሮ ትኽእል፧

    • ስርዓታቱ ግቡእዶ ይመስለካ፧

      (ትምህርቲ 39 ርአ።)

  7. ካልኣይ ቈረንቶስ 7:1 ኣንብብ።

    • ብኣካላውን ብስነ ምግባራውን መዳይ ንጹሃት ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

      (ትምህርቲ 40 ርአ።)

  8. ቀዳማይ ቈረንቶስ 6:9, 10 ኣንብብ።

    • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧ ምስዝስ ትሰማማዕ ዲኻ፧

    • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ መምርሒ ይህብ፧

  9. ማቴዎስ 19:4-6, 9 ኣንብብ።

    • ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ መለክዒ እንታይ እዩ፧

    • መርዓን ፍትሕን ብሕጊ ኺምዝገብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

      (ትምህርቲ 42 ርአ።)

  10. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ ዜጕህዮ በዓላት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዜጕህዮ፧

    (ትምህርቲ 44 ርአ።)

  11. ዮሃንስ 17:16 ግብሪ ሃዋርያት 5:29ን ኣንብብ።

    • ከመይ ጌርካ ኢኻ ገለልተኛ ኽትከውን እትኽእል፧

    • ኣብ መንጎ ሕጊ ሰብን ሕጊ ኣምላኽን ግጭት እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

      (ትምህርቲ 45 ርአ።)

  12. ማርቆስ 12:30 ኣንብብ።