ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሉው ድየ፧

ድሉው ድየ፧

ምስ ጉባኤ ሓቢረ ንምስባኽ ድሉው ድየ፧

ነዚ ዚስዕብ እንተ ኣማሊእካ፡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንምዃን ተዳሊኻ ኢኻ፦

  • ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ፡ ትጽሊ፡ ኣብ ኣኼባታት እውን ትእከብ።

  • ነቲ እትምሃሮ ዘለኻ ትፈትዎን ትኣምነሉን፡ ብዛዕባኡ እውን ንኻልኦት ክትነግር ትደሊ።

  • ንየሆዋ ተፍቅሮ፡ ንዕኡ ዜፍቅሩ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እውን ትሓሪ።

  • ኣባል ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይኰንካን።

  • ብመለክዒታት የሆዋ ትመላለስ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን እውን ትደሊ።

ምስ ጉባኤ ሓቢርካ ንምስባኽ እተዳሎኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ መምህር ምስ ሽማግለታት ብዛዕባ ብቕዓትካ ንምምይያጥ ቈጸራ ኼትሕዘልካ እዩ።

ንጥምቀት ድሉው ድየ፧

ነዚ ዚስዕብ እንተ ኣማሊእካ፡ ክትጥመቕ ተዳሊኻ ኢኻ፦

  • ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዄንካ ተገልግል ኣለኻ።

  • ኣብ ዕዮ ስብከት ዓቕምኻ ብዚፈቕደልካ መጠን ብስሩዕ ትሳተፍ።

  • ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ትድግፎ፡ መምርሒኡ እውን ትስዕብ።—ማቴዎስ 24:45-47

  • ብጸሎት ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ኣለኻ፡ ንዘለኣለም ከተገልግሎ እውን ትደሊ።

ንጥምቀት እተዳሎኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ መምህር ምስ ሽማግለታት ብዛዕባ ብቕዓትካ ንምምይያጥ ቈጸራ ኼትሕዘልካ እዩ።