ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ


ካብዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ካብዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ኣጸቢቕካ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ፈለማ ነዚ ሓፈሻዊ መዋቕር ርአ፡ ድሕሪኡ ቪድዮ ኣጻውት

ቀዳማይ ክፋል

ንሓደ ትምህርቲ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ነቲ ቐዳማይ ክፋል ኣንብብ። ብድሙቕ ተጻሒፉ ዘሎ ሕቶታትን (ሀ) ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን (ለ) ነቲ ቐንዲ ነጥቢ የጕልሕ። ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣንብብ” ዚብል ከም ዘለዎ ኣስተብህል።

ማእከላይ ክፋል

እቲ ኣብ ትሕቲ ኣዕሚቝካ ዅዓት ዚርከብ ፋልማይ ምሉእ ሓሳብ፡ (ሐ) ነቲ ስዒቡ ዘሎ ይገልጽ። ንኡስ ኣርእስትታት (መ) ከኣ ነቲ ምይይጥ የላሊ። ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መምህርካ ኣንብቦ፡ ነቲ ሕቶታት መልሶ፡ ነቲ ቪድዮታት እውን ርኣዮ።

ሳጹናት ቪድዮ ናብቲ ነቲ ጽሑፍ መመላእታ ዚኸውን ማልቲሚድያ ኺመርሓካ እዩ። ገሊኡ ቪድዮታት ናይ ሓቂ ታሪኽ ዝሓዘ እዩ። ገሊኡ ድማ ኣብ ናይ ሓቂ ፍጻመታትን ሰባትን እተመርኰሰ ዘይኰነስ፡ ኪኸውን ዚኽእል ተባሂሉ እተሰርሐ ድራማ እዩ።

ነቲ ስእልታትን መግለጺኡን (ረ) ኣስተብህለሉ፣ ነቲ ገሊኦም ከምዚ ይብሉ (ሰ) ዚብል ክፋል እንታይ ምላሽ ከም እትህበሉ ድማ ሕሰብ።

ዳሕረዋይ ክፋል

ኣብ መደምደምታ፡ ጽማቝክለሳን (ሸ) ኣሎ። ሽዑ፡ እቲ ትምህርቲ እተወድኣሉ ዕለት ኣእቱ። ኣብ ትሕቲ ሸቶ (ቀ) ኸኣ ክትዓይየሉ እትኽእል ነጥቢ ኽትረክብ ኢኻ። ዳህስስ (በ) ኣብ ትሕቲ ዚብል ክፋል ድማ፡ እንተ ደሊኻ ኸተንብቦ ወይ ክትርእዮ እትኽእል ሓበሬታ ይርከብ።

ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትረክብ

መጽሓፍ ቅዱስ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ-ኣራማይስጥን (“ብሉይ ኪዳን”) ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን (“ሓድሽ ኪዳን”) ተባሂሉ ኸኣ ኣብ ክልተ ይኽፈል።

ኣብዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሓፍ ከሎ፡ ፈለማ ስም እቲ መጽሓፍ (ሀ)፡ ቀጺሉ ምዕራፍ (ለ)፡ ድሕሪኡ ድማ ፍቕዲ ወይ ፍቕድታት (ሐ) ይጥቀስ።

ንኣብነት፡ ዮሃንስ 17:3 ኺብሃል ከሎ፡ መጽሓፍ ዮሃንስ፡ ምዕራፍ 17፡ ፍቕዲ 3 ማለት እዩ።