ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ

መእተዊ

ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እትብሃል ጽሕፍቲ ንዜጋጥመካ ብድሆታት ንምስጋር ዚሕግዝ ጥቕስታትን ዛንታታትን መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኽትረክብ ከተኽእለካ እያ። ንኻልኦት ንምትብባዕን ንየሆዋ ዜኽብር ውሳነ ኺገብሩ ንምሕጋዝን ዜኽእል ልክዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ እውን ክትሕግዘካ እያ። ከምኡ ንምግባር፡ ኣብቲ እትደልዮ ርእሰ ነገር ኪድ እሞ በቲ ኣብኡ ዝቐረበ ሕቶታትን ብዛዕባ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓጺር ሓሳባትን ተመራሕ። (“ ኣጠቓቕማ እዛ ጽሕፍቲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ጠቓሚ ምኽርን መምርሕን መጸናንዕን ክትረክብ ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ከተካፍሎ እትኽእል ዕቑር መዛግብቲ፡ ማለት ንመንፈሶም ኬለዓዕል ዚኽእል፡ ኣብ ጸገማቶም ኪሕግዞም ዚኽእል፡ ምኽርን መተባብዕን እውን ኪህቦም ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ኢኻ።

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ርእሰ ነገር ዚርከብ ኵሉ ጥቕስታት ኣይኰነትን እትዝርዝር። ንምርምርካ ግና ጽቡቕ ጅመራ ኽትኰነካ ትኽእል እያ። (ምሳ 2:1-6) ብዕምቈት ንምዅዓት፡ በቲ ብእትርድኦ ቛንቋ ኣብ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ሕድጋታዊ መወከሲታትን ነጥብታት መጽናዕትን ተጠቐም። ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕስታት ወይ ኣወዓዕላኡ ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ተጠቐም። እዋናዊ ርድኢት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ከም ዘሎካ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እተሓትመ ጽሑፋት ተወከስ።

እዛ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብን ፍልጠትን ንምርካብ ክትሕግዘካ እዩ ትምኒትና። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኽትጥቀመላ ኸለኻ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን” ምዃኑ ብዝያዳ ኽትኣምን ኢኻ።—እብ 4:12