ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በዓላት

በዓላት

ክርስትያናት ዚድግፍዎ በዓላት

ክርስትያናት ዜብዕልዎ እንኮ በዓል እንታይ እዩ፧

ህዝቢ ኣምላኽ ንኣምልኾ ምእካብ ይፈትዉ እዮም

ዘዳ 31:12፣ እብ 10:24, 25

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 30:1, 6, 13, 14, 18-27—ንጉስ ህዝቅያስ፡ ፋስጋ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ምእንቲ ኺብዓል መሰናድዎ ገበረ

ክርስትያናት ዘየብዕልዎ በዓላት

ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ እተበከለ በዓላት ምስታፍ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

1ቈረ 10:21፣ 2ቈረ 6:14-18፣ ኤፌ 5:10, 11

ምትሕንፋጽ እምነት” እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 32:1-10—እስራኤላውያን ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪሓናፍጹ ምስ ፈተኑ፡ ንየሆዋ ኣቘጥዕዎ

    • ዘሁ 25:1-9—እስራኤላውያን ኣብ ናይ ኣረማዊ በዓላትን ርኽሰትን ምስ ተሳተፉ፡ የሆዋ ቐጽዖም

በዓል ልደተ ክርስቶስ ክርስትያናዊ በዓል ድዩ፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 2:1-5—የሱስ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኣብ ዚግበረሉ ዝነበረ እዋን ተወልደ፣ ሮማውያን ነቶም ዓለወኛታት ዝነበሩ ኣይሁድ ቍርን ዝናምን ኣብ ዝበዝሓሉ ወቕቲ ንምዝገባ ጕዕዞ ኺገብሩ ትእዛዝ ኪህብዎም ዘይመስል እዩ

    • ሉቃ 2:8, 12—የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ፣ ኣብታ ቘራሪት ወርሒ ታሕሳስ ከምኡ ኺገብሩ ዘይመስል እዩ

ክርስትያናት ዕለተ ልደት ኬብዕሉ ይግባእዶ፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 40:20-22—እቲ ኣረማዊ ዝነበረ ፈርኦን ዕለተ ልደቱ ኣብዓለ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰብ ተቐትለ

    • ማቴ 14:6-11—እቲ እኩይ ተጻራሪ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ዕለተ ልደቱ ኣብዓለ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ተቐትለ

ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ በዓላት

እቲ እተፈላለየ በዓላት ዚሓቍፍ ሕጊ ሙሴ ንክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧

ክርስትያናት፡ ሰንበት ኪሕልዉ ይግባእዶ፧

ሃገራዊ በዓላት

ክርስትያናት ንፖለቲካዊ ታሪኽ ሓደ ህዝቢ ኣብ ዜብዕል በዓል ኪሳተፉ ይግባእዶ፧

ክርስትያናት ኣብ ዝኽሪ ውግእ ኣህዛብ ኪሳተፉ ይግባእዶ፧

ክርስትያናት ንሰባት ከም ኣምልኾ ዝዓይነቱ ኽብሪ ኣብ ዚህብ በዓላት ኪሳተፉ ይግባእዶ፧

ዘጸ 20:5፣ ሮሜ 1:25

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 12:21-23—ንጉስ ቀዳማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኸም ኣምልኾ ዝዓይነቱ ኽብሪ ስለ እተቐበለ፡ ኣምላኽ ቀጽዖ

    • ግብ 14:11-15—ሃዋርያ በርናባስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዘይግቡእን መጠን ዝሓለፈን ክብሪ ምቕባል ኣበዩ

    • ራእ 22:8, 9—መልኣኽ የሆዋ ኣምልኾ ምቕባል ኣበየ