ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግብረ ሰናይ

ግብረ ሰናይ

የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ወሃቢ ምዃኑ ብኸመይ ኣርእዩ፧

እንታይ ዓይነት ምሃብ እዩ ንኣምላኽ ባህ ዘየብሎ፧

ማቴ 6:1, 2፣ 2ቈረ 9:7፣ 1ጴጥ 4:9

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 4:3-7፣ 1ዮሃ 3:11, 12—ኣምላኽ ብመስዋእቲ ቃየል ባህ ዘይበሎ ስለምንታይ እዩ፧

    • ግብ 5:1-11—ሃናንያን ሰጲራን ብዛዕባ እቲ ዘምጽእዎ ውህበት ስለ ዝሓሰዉን ሕማቕ ውሽጣዊ ድራኸ ስለ ዝነበሮምን ተቐጽዑ

እንታይ ዓይነት ምሃብ እዩ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ፧

ማቴ 6:3, 4፣ ሮሜ 12:8፣ 2ቈረ 9:7፣ እብ 13:16

ግብ 20:35 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 21:1-4—የሱስ ነታ ብልግሲ ተደሪኻ ንእሽቶ ነገር ዝወፈየት ድኻ መበለት ነኣዳ

ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ፡ ብኸመይ እዩ ወፈያታት ተወዲቡ ነይሩ፧

ግብ 11:29, 30፣ ሮሜ 15:25-27፣ 1ቈረ 16:1-3፣ 2ቈረ 9:5, 7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 4:34, 35—ክርስትያናዊት ጉባኤ ብልግሲ ትህብ ነበረት፣ እቶም ሃዋርያት ከኣ ንሽጉራት ይህብዎም ነበሩ

    • 2ቈረ 8:1, 4, 6, 14—ንሽጉራት ክርስትያናት ንምሕጋዝ፡ ኣገልግሎት ረድኤት ተወዲቡ ነበረ

ክርስትያናት ንቤተ ሰቦምን ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶምን እንታይ ፍሉይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

ንድኻታት ብዛዕባ ምሕላይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

ሰባት ካብ ካልእ ነገራት ንላዕሊ መንፈሳዊ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ማቴ 5:3, 6፣ ዮሃ 6:26, 27፣ 1ቈረ 9:23

ምሳ 2:1-5፣ 3:13፣ መክ 7:12፣ ማቴ 11:4, 5፣ 24:14 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 10:39-42—የሱስ ንማርታ፡ መንፈሳዊ ነገር ከተቐድም ከም ዘለዋ ኣረድኣ