ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጸናንዒ

መጸናንዒ

ንገሊኡ ተስፋ ዜቝርጽ ነገራት ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መጸናንዒ

ሕማም ወይ እርጋን ዜስዕቦ ድሩትነት

መዝ 71:9, 18፣ መክ 12:1-7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 20:1-3—ንጉስ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ምስ ሓመመ፡ ኣምሪሩ በኸየ

    • ፊል 2:25-30—ኤጳፍሮዲጦስ፡ እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ምሕማሙ ብምስማዖም ተጨነቐ፡ ዕዮኡ ኺፍጽም ከም ዘይክእል ገይሮም ከይርእይዎ እውን ኣሻቐሎ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ሳሙ 17:27-29፣ 19:31-38—ንጉስ ዳዊት ንባርዚላይ ስለቲ ተኣማንነቱ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ፣ ምስኡ ኪኸይድ ምስ ሓተቶ ግና፡ ባርዚላይ ብዕድመ ደፊኡ ብምንባሩ ብትሕትና ኣበየ

    • መዝ 41:1-3, 12—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሕማም ሓሚሙ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፎ ግና ይተኣማመን ነበረ

    • ማር 12:41-44—የሱስ ነታ ዘለዋ ዅሉ ዝወፈየት ድኻ መበለት ነኣዳ

መስጐጕቲ

መስጐጕቲ” ርአ

ምረት፣ ቅሬታ

ገሊኦም ብሰንኪ ጸገማት ወይ ተጻብኦታት ይማረሩ

መክ 9:11, 12

መዝ 142:4፣ መክ 4:1፣ 7:7 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሩት 1:11-13, 20—ናእሚ ሰብኣያን ክልተ ደቃን ምስ ሞትዋ፡ ብሓዘን ተደቝሰት፡ የሆዋ ዝሓደጋ ዀይኑ እውን ተሰምዓ

    • እዮ 3:1, 11, 25, 26፣ 10:1—እዮብ ሃብቱን ዓሰርተ ደቁን ጥዕናኡን ምስ ሰኣነ፡ ተመረረ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

ገሊኦም በቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ኽፉእ ተግባር ይምረሩ

መክ 4:1, 2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 1:6, 7, 10, 13-16—ሃና በቲ ኻብ ጵኒና ዚወርዳ ዝነበረ ግፍዕን በቲ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ብዛዕባኣ ዘሕደሮ ግጉይ ግምትን ኣመና ተጐድአት

    • እዮ 8:3-6፣ 16:1-5፣ 19:2, 3—እቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እዮብ ተመጻደቕትን ፈረድትን ብምንባሮም፡ ንእዮብ ኣግደዱሉ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 1:9-11, 18—ሃና ነቲ ኣብ ልባ ዝነበረ ናብ የሆዋ ምስ ኣፍሰሰት፡ ስቓያ ፈዀሳ

    • እዮ 42:7, 8, 10, 17—እዮብ ናይ ይቕረታ መንፈስ ምስ ኣርኣየ፡ የሆዋ ጥዕናኡን ሓጐሱን መለሰሉ

ሰባት ኪጐድኡና ወይ ኪጠልሙና ኸለዉ ዚስምዓና ጓሂ

ጓሂ” ርአ

ቅንኢ፣ ምንቀኝነት

ቅንኢ” ርአ

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘሎና ጥርጣረታት

ጥርጣረታት” ርአ

ከቢድ ብድሆ ወይ ዕዮ ኼጋጥመና ኸሎ ዚፍጠር ስምዒት ዘይብቑዕነት

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 3:11፣ 4:10—ነብዪ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኪቐርብን ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ግብጺ መሪሑ ኼውጽኦምን መምርሒ ምስ ተዋህቦ፡ ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዖ

    • ኤር 1:4-6—ኤርምያስ ነቲ ነቓጽ ህዝቢ፡ ነብዪ ዀይኑ ኼገልግሎ ኻብ የሆዋ መምርሒ ምስ ተዋህቦ፡ ገና ቘልዓን ዘይምኩርን ኰይኑ ተሰምዖ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 3:12፣ 4:11, 12—የሆዋ ንነብዪ ሙሴ፡ ኣብ ዕዮኡ ኸም ዚሕግዞ ብትዕግስቲ መረጋገጺ ሃቦ

    • ኤር 1:7-10—የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ፡ ንዜጋጥሞ ብድሆታት ንምስጋር ከም ዚሕግዞ መረጋገጺ ሃቦ

ዚደቍስ በደለኛነት

እዝ 9:6፣ መዝ 38:3, 4, 8፣ 40:12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 22:8-13፣ 23:1-3—ንጉስ ዮስያስን ተገዛእቱን፡ ሕጊ ሙሴ ምስ ተነብበሎም፡ በደሎም ዓብዪ ምንባሩ ፈለጡ

    • እዝ 9:10-15፣ 10:1-4—እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ህዝብን፡ ገሊኣቶም ጓኖት ከም እተመርዓዉ ምስ ፈለጡ፡ ብስምዒት በደለኛነት ተደቝሱ

    • ሉቃ 22:54-62—ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ምስ ከሓዶ፡ በቲ ሽዑ እተሰምዖ ስምዒት በደለኛነት ኣመና ሓዘነ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 33:9-13, 15, 16—ምናሴ ኻብ ኵሎም ነገስታት ይሁዳ ዝኸፍአ እኳ እንተ ነበረ፡ ተነስሐ፡ ምሕረት እውን ረኸበ

    • ሉቃ 15:11-32—የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ንምግላጽ፡ የሱስ ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ ኣዘንተወ

ድኽመትና ወይ ሓጢኣትና ዚፈጥረልና ጓሂ

ጓሂ” ርአ

ግፍዒ ዜሕድሮ ስምዒታዊ ስቓይ

ግፍዒ” ርአ

ጭንቀት

ጭንቀት” ርአ

ፍርሂ፣ ራዕዲ

ፍርሂ” ርአ