ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ

ምኽሪ

ምኽሪ ምቕባል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኽንደሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መመኽነይታ ኻብ ምቕራብ፡ ምኽሪ ምስማዕ ዝሓሸ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ምሳ 12:15፣ 29:1

ምሳ 1:23-31፣ 15:31 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 15:3, 9-23—ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ኣረሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ምኽሪ ኣብ ክንዲ ዚቕበሎ፡ መመኽነይታ ኣቕረበ፣ ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ንሳኦል፡ ንጉስ ከይከውን ነዓቖ

    • 2ዜና 25:14-16, 27—ንጉስ ኣማስያ ሓጢኣት ገበረ፡ ብየሆዋ ኻብ እተላእከ ነብዪ ዝመጸሉ ምኽሪ እውን ኣይተቐበለን፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሞገስን ዕቝባን የሆዋ ሰኣነ

ምኽሪ ንዚህቡና ሓለውቲ ኸነኽብሮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1ተሰ 5:12፣ 1ጢሞ 5:17፣ እብ 13:7, 17

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 3ዮሃ 9, 10—ድዮትሬፌስ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚመርሑ ኣሕዋት ኣኽብሮት ስለ ዘየርኣየ፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ኰነኖ

ንዓበይቲ ኽንሰምዖም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዘሌ 19:32፣ ምሳ 16:31

እዮ 12:12፣ 32:7፣ ቲቶ 2:3-5 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 23:16-18—ንጉስ ዳዊት ነቲ ብ30 ዓመት ኣቢሉ ዚዓብዮ ዮናታን ዝሃቦ ምኽሪ ሰምዖ፣ በዚ ኸምዚ እውን ኪብርትዕ ከኣለ

    • 1ነገ 12:1-17—ንጉስ ሮብዓም ነቲ ዓበይቲ ዝሃብዎ ሚዛናዊ ምኽሪ ሓዲጉ ነቲ ብዕድመ ዝነኣሱ ሰባት ዝሃብዎ ኽፉእ ምኽሪ ሰምዐ፣ እዚ ድማ ጸገም ኣስዓበ

እሙናት ኣንስትን ብዕድመ ንኣሽቱ ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋን ጽቡቕ ምኽሪ ኺህቡ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

እዮ 32:6, 9, 10፣ ምሳ 31:1, 10, 26፣ መክ 4:13

መዝ 119:100 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 25:14-35—ኣቢጋይል ንዳዊት መኸረቶ፣ ሳላ እቲ ምኽራ ድማ ናይ ብዙሓት ህይወት ደሓነ፡ ዳዊት እውን ብዕዳ ደም ተሓታቲ ኻብ ምዃን ተሰትረ

    • 2ሳሙ 20:15-22—ኣብ ከተማ ኣቤል እትነብር ጥበበኛ ሰበይቲ ብምኽራ ንብዘላ እታ ኸተማ ኣድሓነታ

    • 2ነገ 5:1-14—ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ዝሃበቶ ሓሳብ፡ ንሓደ ሓያል ጅግና ብኸመይ ካብ ደዌኡ ኸም ዚሓዊ ኺፈልጥ ኣኽኣሎ

ምኽሪ እቶም ንየሆዋ ወይ ንቓሉ ዘየኽብሩ ሰባት ክንሰምዕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 1:1፣ ምሳ 4:14

ሉቃ 6:39 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ዜና 10:13, 14—ንጉስ ሳኦል ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዚሓትቶ፡ ካብ ጠያቒት መናፍስቲ ምኽሪ ሓተተ፣ ብሰንኪ እዚ ጥልመቱ እውን ሞተ

    • 2ዜና 22:2-5, 9—ንጉስ ኣሓዝያ ዘይጥዑያት ኣማኸርቲ ሓረየ፣ ብሰንኪ እዚ እውን ሞተ

    • እዮ 21:7, 14-16—እዮብ ንኣተሓሳስባ እቶም ንየሆዋ ዘየኽብሩ ሰባት ኣይተቐበሎን

ምኽሪ ምሃብ

ምኽሪ ቕድሚ ምሃብና፡ ንዚንገረና ኽንሰምዕ፡ ንዅሉ ኽንምርምሮ፡ ንኽልቲኦም ወገን እውን ክንሰምዖም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ምሳ 18:13, 17

ምሳ 25:8 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 1:9-16—ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ተቐላጢፉ ንሃና ኸም ዝሰኸረት ገይሩ ብምቝጻር ከቢድ ምኽሪ ሃባ

    • ማቴ 16:21-23—ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ ገንሖ፣ ከምኡ ኺገብር ከሎ ድማ፡ የሆዋ ዚደልዮ ዘይኰነስ፡ ከይተፈለጦ ሰይጣን ዚደልዮ ምኽሪ ሃበ

ምኽሪ ቕድሚ ምሃብና፡ መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 32:8፣ 73:23, 24፣ ምሳ 3:5, 6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 3:13-18—ነብዪ ሙሴ ነቲ እስራኤላውያን ኪሓትትዎ ዚኽእሉ ሕቶታት እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልሰሎም ንምፍላጥ፡ ንየሆዋ ሓተቶ

    • 1ነገ 3:5-12—እቲ ብንእስነቱ ዝነገሰ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዚውከል፡ ካብ የሆዋ ጥበብ ለመነ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ የሆዋ በረኸት ረኸበ

እንህቦ ምኽሪ ዀነ ምላሽ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

መዝ 119:24, 105፣ ምሳ 19:21፣ 2ጢሞ 3:16, 17

ዘዳ 17:18-20 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 4:1-11—የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተናታት ምላሽ ኪህብ ከሎ፡ ኣብ ናይ ርእሱ ጥበብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመስሪቱ መለሰ

    • ዮሃ 12:49, 50—የሱስ ኵሉ ትምህርቱ ኻብ ኣቦኡ እተማህሮ ምዃኑ ገለጸ፣ እዚ ንዓና ሰናይ ኣብነት ይዀነና

ምኽሪ ብልእመት ንምሃብ፡ ምስኡ እውን ልባዊ ናእዳ ንምሃብ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ገላ 6:1፣ ቈሎ 3:12

ኢሳ 9:6፣ 42:1-3፣ ማቴ 11:28, 29 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 19:2, 3—የሆዋ ንንጉስ ዮሳፋጥ ብሓደ ነብዪ ኣቢሉ መአረምታ ሃቦ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ ግና ስለ እቲ ዝገበሮ ጽቡቕ ነኣዶ

    • ራእ 2:1-4, 8, 9, 12-14, 18-20—የሱስ ንጉባኤታት ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ፡ ነኣደን

ሓደ ክርስትያን፡ ክርስትያን ብጻዩ ኸም ዘታለሎ፡ ከም ዝሓመዮ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ኸም ዝበደሎ እንተ ነጊሩና፡ ምስቲ በዳሊ ብውልቂ ኺዛራረቡ ምትብባዕ ዝሓሸ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንሓደ ኸም እተበደለ ዀይኑ እተሰምዖ ክርስትያን ከመይ ጌርና ኢና መሓርን ዕጉስን ይቕረ በሃልን ኪኸውን እነተባብዖ፧

ማቴ 18:21, 22፣ ማር 11:25፣ ሉቃ 6:36፣ ኤፌ 4:32፣ ቈሎ 3:13

ማቴ 6:14፣ 1ቈረ 6:1-8፣ 1ጴጥ 3:8, 9 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 18:23-35—ይቕረ በሃሊ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ የሱስ ሓያል ምሳሌ ኣዘንተወ

ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምድጋፍ ጽኑዓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 141:5፣ ምሳ 17:10፣ 2ቈረ 7:8-11

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 15:23-29—ነብዪ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል ከይፈርሀ መኸሮ

    • 1ነገ 22:19-28—ነብዪ ሚካያ ኣደዳ ምፍርራህን ግፍዕን ኰይኑ ኽነሱ፡ ነቲ ንንጉስ ኣከኣብ ዚህቦ መጠንቀቕታ ኣይቀየሮን

ከመይ ጌርና ኢና መንፈሳዊ ጕድኣት ከየስዓብና ኽንመክር እንኽእል፧

እብ 12:11-13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 22:31-34—ሃዋርያ ጴጥሮስ ከቢድ ጌጋታት እኳ እንተ ገበረ፡ የሱስ ግና ንኻልኦት ከም ዜበራትዕ ይተኣማመነሉ ነበረ

    • ፊሞ 21—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፊልሞን ነቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳነ ምኽሩ ኸም ዚስዕቦ እምነቱ ገለጸ

ንእተሸገሩ ወይ ንእተደቝሱ ምኽሪ ኽንህብ ከለና ብኸመይ ኢና ኽንልውሃሎም እንኽእል፧

ሸቶና ንእተጋገየ ምሕጋዝን ናብ ቅኑዕ መገዲ ምምላስን ከም ዝዀነ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ዕድመ ወይ ጾታ ብዘየገድስ፡ ብኸመይ ኢና ንእንመኽሮም ሰባት ኣኽብሮት ከነርእዮም እንኽእል፧

ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ንዚውሃቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ዘይቅበል እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዮም ጓሶት ብጽኑዕ ኪመኽርዎ ዚግባእ፧