ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሳነታት

ውሳነታት

ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኽንገብር፡ ከመይ ጌርና ኢና ንኣእምሮናን ንልብናን ከነዳሉ እንኽእል፧

ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ክንህወኽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ በቲ ዘይፍጹም ልብና ኽንእመን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ምሳ 28:26፣ ኤር 17:9

ዘሁ 15:39፣ ምሳ 14:12፣ መክ 11:9, 10 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 35:20-24—እቲ ብቕንዕና እተመላለሰ ንጉስ ዮስያስ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምኽሪ ዕሽሽ ብምባል ምስ ፈርኦን ኔኮ ተዋግአ

ከቢድ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ፊል 4:6, 7፣ ያእ 1:5, 6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 6:12-16—የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ቕድሚ ምሕራዩ፡ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ

    • 2ነገ 19:10-20, 35—ንጉስ ህዝቅያስ ዜስግእ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቐረበ፡ የሆዋ እውን ኣናገፎ

ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዝ ብሉጽ መምርሒ ኻብ መን ኢና እንረክብ፧ ንሱ ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

መዝ 119:105፣ ምሳ 3:5, 6፣ 2ጢሞ 3:16, 17

መዝ 19:7፣ ምሳ 6:23፣ ኢሳ 51:4 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 15:13-18—ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ውሳነ ዜድልዮ ኸቢድ ጕዳይ ምስ ኣጋጠሞ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዚርከብ መምርሒ ተወከለ

ውሳነታት ብዛዕባ፦

ሕክምና

ዘሌ 19:26፣ ዘዳ 12:16, 23፣ ሉቃ 5:31፣ ግብ 15:28, 29

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 19:18-20—ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ ስሒር ወይ መናፍስትነት ዚተሓሓዝ ነገራት ኣርሓቑ

መንፈሳዊ ሸቶታት

መውስቦ

መውስቦ” ርአ

መዘናግዒ

መዘናግዒ” ርአ

ስራሕ

ዕዮ” ርአ

ኣጠቓቕማ ግዜ

ኵሉ መዳያት ህይወት

ብኸመይ እዮም ብሱላት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ኪሕግዙና ዚኽእሉ፧

እዮ 12:12፣ ምሳ 11:14፣ እብ 5:14

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 1:11-31, 51-53—ባትሴባ ነቲ ነብዪ ናታን ዝሃባ ምኽሪ ሰምዐት፡ እዚ ድማ ህይወታን ህይወት ወዳ ሰሎሞንን ኣድሓነላ

ካልኦት ሰባት ውሳነታት ኪገብሩልና ኽንሓትት ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ካብ ኣምላኽ ንዚመጽእ ምኽሪ ንምትግባርን ዕሽሽ ንዘይምባልን ቈራጽነት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 18:20-25፣ 141:5፣ ምሳ 8:33

ሉቃ 7:30 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 19:12-14, 24, 25—ሎጥ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት ነተን ንኣዋልዱ ኺምርዓውወን ኢሎም ዝነበሩ ሰብኡት ኣጠንቀቖም፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን

    • 2ነገ 17:5-17—እስራኤላውያን ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦም ምኽሪ ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ፡ ናብ ምርኮ ተወስዱ

ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ንሕልናና ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ውሳነ ንዜሕድሮ ጽልዋ ኣብ ግምት ምእታው ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

ምስ የሆዋ ኣብ ዘሎና ርክብ ዜሕድሮ ጽልዋ

ኣብ መጻኢና ዜሕድሮ ጽልዋ

ኣብ ካልኦት ዜሕድሮ ጽልዋ

ውሳነታትና ዜሰክመና ሓላፍነት ክንጸውር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧