ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጓሂ

ጓሂ

ሰባት ኪጐድኡና ወይ ኪጠልሙና ኸለዉ ዚስምዓና ጓሂ

መዝ 55:12-14፣ ሉቃ 22:21, 48

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 8:1-6—እስራኤላውያን ንጉስ ኪነግሶም ምስ ጠለቡ፡ ነብዪ ሳሙኤል በዚ ጐሃየ

    • 1ሳሙ 20:30-34—ንጉስ ሳኦል ንወዱ ዮናታን ኣመና ምስ ተቘጥዖ፡ ዮናታን በዚ ጐሃየ፡ እተዋረደ ዀይኑ እውን ተሰምዖ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 55:12-14, 16-18, 22—ንጉስ ዳዊት በቲ ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣሒቶፌል እኳ እንተ ተጠልመ፡ ጾሩ ናብ የሆዋ ደርበየ፡ በዚ ኸምዚ እውን ተጸናንዐ

    • 2ጢሞ 4:16-18—ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰባት እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ካብ የሆዋን ካብቲ ንሱ ዝሃቦ ተስፋን ብርታዐ ረኸበ

ድኽመትና ወይ ሓጢኣትና ዚፈጥረልና ጓሂ

እዮ 14:4፣ ሮሜ 3:23፣ 5:12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 51:1-5—ንጉስ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣመና ተሳቐየ

    • ሮሜ 7:19-24—ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ምስ ናይ ሓጢኣት ዝንባለኡ ዚገብሮ ቐጻሊ ቓልሲ መከረኛ ኸም ዝዀነ ተሰምዖ

  • ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 9:2-5—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ግና ንጽህናኡ ሓልዩ ኸም እተመላለሰ ገይሩ ረኣዮ

    • 1ጢሞ 1:12-16—ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሕሉፍ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ምሕረት ከም እተገብረሉ ግና ርግጸኛ ነበረ