ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስተ

መስተ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ይኽልክልዶ፧

መዝ 104:14, 15፣ መክ 9:7፣ 10:19፣ 1ጢሞ 5:23

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 2:1-11—የሱስ ኣብ ቀዳማይ ተኣምሩ፡ ንማይ ናብ ጽቡቕ ወይኑ ለወጦ፣ በዚ ኸምዚ እውን ነቲ መርዓውን ነታ መርዓትን ካብ ውርደት ሰተሮም

ምብዛሕ መስተን ስኽራንን እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ስኽራን እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

1ቈረ 5:11፣ 6:9, 10፣ ኤፌ 5:18፣ 1ጢሞ 3:2, 3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 9:20-25—ኖህ ስለ ዝሰኸረ፡ ወዲ ወዱ ሕማቕ ነገር ፈጸመ

    • 1ሳሙ 25:2, 3, 36—እቲ ጨካንን ዓሻን ዝነበረ ናባል ኣመና ሰኸረ

    • ዳን 5:1-6, 22, 23, 30, 31—ንጉስ ቤልሻጽር ብዙሕ ወይኒ ሰትዩ ንየሆዋ ኣምላኽ ጸረፎ፣ በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ተቐትለ

ዋላ እኳ እንተ ዘይሰኸርና፡ ብዛዕባ እቲ እንሰትዮ መጠን ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ክርስትያን ብጻይና ናይ ኣልኮላዊ መስተ ጸገም እንተ ኣልይዎ፡ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧