ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መተባብዒ

መተባብዒ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ኪተባብዑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ኢሳ 35:3, 4፣ ቈሎ 3:16፣ 1ተሰ 5:11፣ እብ 3:13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 32:2-8—ንጉስ ህዝቅያስ፡ ህዝቡ ኣመና ዜስግእ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞም፡ ኣተባብዖም

    • ዳን 10:2, 8-11, 18, 19—ሓደ መልኣኽ ነቲ ብዕድመ ደፊኡን ደኺሙን ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ኣተባብዖን ኣበርትዖን

ስልጣን ዘለዎም ሰባት ምስ መተባብዒ ብዚተሓሓዝ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧

ኢሳ 32:1, 2፣ 1ጴጥ 5:1-3

ማቴ 11:28-30 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 3:28፣ 31:7, 8—ነብዪ ሙሴ ብመሰረት እቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒ ነቲ ንዕኡ ዚትክኦ እያሱ ኣተባብዖን ኣበርትዖን

    • ግብ 11:22-26፣ 14:22—ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ በርናባስን ኣብ እዋን መስጐጕቲ ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣተባብዕዎም

ልባዊ ናእዳ ኣገዳሲ ኽፍሊ ምትብባዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምሳ 31:28, 29፣ 1ቈረ 11:2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መሳ 11:37-40—ጓል ይፍታሕ ጥቕሚ ርእሳ ሰዊኣ ትነብር ብምንባራ፡ ኣዋልድ እስራኤል ኣብ ዓዓመት ይንእዳኣ ነበራ

    • ራእ 2:1-4—የሱስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት እኳ እንተ ኣረሞም፡ ስለቲ ጽቡቕ ተግባሮም እውን ነኣዶም

እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ ንሓድሕዶም ኪተባብዑ ይኽእሉ፧

ምሳ 15:23፣ ኤፌ 4:29፣ ፊል 1:13, 14፣ ቈሎ 4:6፣ 1ተሰ 5:14

2ቈረ 7:13, 15, 16 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 23:16-18—ዮናታን ነቲ ኻብኡ ዚንእስ ፈታዊኡ ዳዊት ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ደልዩ ምስ ረኸቦ፡ ኣተባብዖ

    • ዮሃ 16:33—የሱስ ንሰዓብቱ ብኣብነቱ ገይሩ ኣተባብዖም፡ ንሳቶም ዕዉታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እውን ኣረጋገጸሎም

    • ግብ 28:14-16—ሃዋርያ ጳውሎስ ንፍርዲ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ ነቶም ኪቕበልዎ ተጓዒዞም ዝመጹ እሙናት ኣሕዋት ምስ ረኣዮም ተተባብዐ

ካብ ናይ ንዕቀት ወይ ናይ ምምራር መንፈስ ክንሕሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ፊል 2:14-16፣ ይሁ 16-19

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሁ 11:10-15—ነብዪ ሙሴ በቲ ኣብቶም ህዝቢ ዝነበረ ኣሉታውን ናይ ዘይተኣዛዝነትን መንፈስ ኣመና ጐሃየ

    • ዘሁ 13:31, 32፣ 14:2-6—እቶም እምነት ዘይነበሮም ዓሰርተ ሰለይቲ ዘውረይዎ ኣሉታዊ ወረ ነቶም ህዝቢ ተስፋ ኣቝረጾም፡ ናብ ዕልወት እውን መርሐ

ምስ ክርስትያናት ብጾትና ምቅርራብ ብኸመይ ኬተባብዓና ይኽእል፧

ምሳ 27:17፣ ሮሜ 1:11, 12፣ እብ 10:24, 25፣ 12:12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 20:1-19—ንጉስ ዮሳፋጥ ዓብዪ ሰራዊት ምስ መጾ፡ ነቶም ህዝቢ ኣኪቡ ጸለየ

    • ግብ 12:1-5, 12-17—ሃዋርያ ያእቆብ ምስ ተቐትለ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ምስ ተኣስረ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብሓባር ትጽሊ ነበረት

ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ብኸመይ ኬተባብዓና ይኽእል፧

ግብ 5:40, 41፣ ሮሜ 8:35-39፣ 1ቈረ 4:11-13፣ 2ቈረ 4:16-18፣ 1ጴጥ 1:6, 7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 39:19-23፣ 40:1-8—ዮሴፍ ብሓሶት እኳ እንተ ተኸስሰ፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እውን እንተ ተኣስረ፡ ብተኣማንነት ተመላለሰ፡ ንኻልኦት ኪሕግዝ እውን ይደሊ ነበረ

    • 2ነገ 6:15-17—ነብዪ ኤልሳእ ኣብ ቅድሚኡ ዓብዪ ሓደጋ እናሃለወ ኽነሱ ድምብርጽ ኣይበሎን፣ ጊልያኡ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ ምእንቲ ኺህልዎ ድማ ጸለየ

ካብ ቃል የሆዋ መተባብዒ ምርካብ

የሆዋ እንታይ ፍቕራዊ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧

ብዛዕባ ትዕግስትን ምሕረትን የሆዋ ምስትንታን ብኸመይ ኬተባብዓና ይኽእል፧

የሆዋ ንዝደኸሙ እንታይ ይገብረሎም፧

መዝ 46:1፣ ኢሳ 12:2፣ 40:29-31፣ ፊል 4:13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 1:10, 11, 17, 18—የሆዋ ንጸሎት ሃና ሰምዖ፡ ኣብ ጭንቅን ምረትን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከኣ እፎይታ ሃባ

    • 1ነገ 19:1-19—ነብዪ ኤልያስ ተስፋ ምስ ቈረጸ፡ የሆዋ ግብራዊ ሓገዝ ሃቦ። ተስፋ ብምሃብ ከኣ ኣተባብዖን ኣጸናንዖን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋና ብኸመይ ኬትብዓና ይኽእል፧

2ዜና 15:7፣ መዝ 27:13, 14፣ እብ 6:17-19፣ 12:2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 14:1, 2, 7-9, 13-15—እዮብ ኣብቲ ጸልሚትዎ ዝነበረ እዋን እኳ፡ ብተስፋ ትንሳኤ ተጸናንዐ

    • ዳን 12:13—እቲ ወዲ 100 ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ካብቲ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ዓስቡ ዝነገሮ መልኣኽ መተባብዒ ረኸበ

ናብ የሆዋ ምጽላይን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

መዝ 18:6፣ 56:4, 11፣ እብ 13:6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 30:1-9—ንጉስ ዳዊት ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ናብ የሆዋ ተጸግዐ፡ ብርታዐ እውን ረኸበ

    • ሉቃ 22:39-43—የሱስ ካብ ኵሉ ዝኸበደ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ብጽኑዕ ጸለየ፡ የሆዋ ድማ ዜተባብዖ መልኣኽ ለኣኸሉ

ጽቡቕ ወረ ወይ ብስራት ብምስማዕን ብምንጋርን እንታይ መተባብዒ ኺርከብ ይከኣል፧

ምሳ 15:30፣ 25:25፣ ኢሳ 52:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 15:2-4—ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ በርናባስን ነተን ዚበጽሕወን ዝነበሩ ጉባኤታት ብዙሕ ኣተባብዕወን

    • 3ዮሃ 1-4—እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮም ሰባት ብተኣማንነት ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተተባብዐ