ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስድራ ቤት

ስድራ ቤት

ኵሉ ዓሌት ቤተ ሰብ ካብ የሆዋ እዩ

ወለዲ

ወለዲ” ርአ

ኣቦታት

ኣቦታት” ርአ

ኣዴታት

ኣዴታት” ርአ

ሰብኡት፡ ኣንስቲ

መውስቦ” ርአ

ውሉዳት

ውሉዳት ኣብ ስድራ ቤት እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧

ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዝዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ኤፌ 6:1-3፣ ቈሎ 3:20

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 78:1-8—እስራኤላውያን ውሉዳት ብኣምላኽ ምእንቲ ኺእመኑን ዓለወኛታት ምእንቲ ኸይኰኑን፡ ወለዲ ንደቆም ግብርታት ኣቦታቶም የዘንትውሎም ነበሩ

    • ሉቃ 2:51, 52—የሱስ ፍጹም ክነሱ፡ ኣብ ኵሉ ንእስነቱ ንሰብኣውያን ወለዱ ይእዘዞም ነበረ

ውሉዳት ንወለዶም ምኽባር ኣጸጋሚ ኪዀኖም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንዓለወኛታት ውሉዳት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 21:18-21—ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ውሉድ ነቓጽን ዓላውን ሰኽራምን ዘይእረምን እንተ ዀይኑ፡ ይቕተል ነበረ

    • 2ነገ 2:23, 24—ገሊኦም ቈልዑ ነቲ ተወካሊ ኣምላኽ ዝነበረ ነብዪ ኤልሳእ ምስ ኣላገጹሉ፡ ክልተ ድቢ ነቶም ቈልዑ ሰላልዓኦም

ወለዲ ነቲ ንውሉዳት ናይ ምዕባይ ፍሉይ መሰል ብኸመይ ኪርእይዎ ኣለዎም፧

መዝ 127:3፣ 128:3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሌ 26:9—ብዓይኒ እስራኤላውያን፡ ውሉዳት ምውላድ ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ በረኸት ጌርካ ይርአ ነበረ

    • እዮ 42:12, 13—እዮብ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ኵነታት ንጽህናኡ ስለ ዝሓለወ፡ የሆዋ ንዕኡን ሰበይቱን ተወሰኽቲ ዓሰርተ ውሉዳት ብምሃብ ባረኾ

ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎ ርክብ ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ርክቦም ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧

መዝ 34:14፣ ምሳ 15:23፣ 19:11

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 27:41፣ 33:1-11—ያእቆብ ንሓዉ ኤሳው ኣኽብሮት ኣርኣዮ፣ እዚ ድማ ንሰላም መገዲ ጸረገ፣ ኤሳው እውን ንሓዉ ፍቕሩ ገለጸሉ

ዓበይቲ ውሉዳት ንወለዶምን ንኣቦሓጎታቶምን ንእኖሓጎታቶምን እንታይ ሓላፍነታት ኣለዎም፧

ምሳ 23:22፣ 1ጢሞ 5:4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 11:31, 32—ኣብርሃም ካብ ኡር ኪወጽእ ከሎ፡ ንኣቦኡ ታራ ተማልኦ፡ ክሳዕ ዚመውት እውን ናበዮ

    • ማቴ 15:3-6—የሱስ ካብ ሕጊ ሙሴ ብምጥቃስ፡ ዓበይቲ ውሉዳት ንወለዶም ኪድግፍዎም ከም ዚግባእ ገለጸ

እንዳ ኣሕሙ

እንዳ ኣሕሙ” ርአ

ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን