ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ይቕረታ

ይቕረታ

የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ይቕረ ዚብል፧

መዝ 86:5፣ ዳን 9:9፣ ሚክ 7:18

2ጴጥ 3:9 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 78:40, 41፣ 106:36-46—እስራኤላውያን ሓጢኣት ብምግባር ንየሆዋ እኳ እንተ ኣጕሃይዎ፡ ንሱ ግና ነቶም ፋሉል ህዝቢ ብተደጋጋሚ ይቕረ በለሎም

    • ሉቃ 15:11-32—የሱስ ንየሆዋ፡ በቲ ንእተነስሐ ወዱ ዚቕበል መሓሪ ኣቦ ኣቢሉ ገለጾ

የሆዋ ኣብ ምንታይ ተመስሪቱ እዩ ይቕረታ ዚገብር፧

ዮሃ 1:29፣ ኤፌ 1:7፣ 1ዮሃ 2:1, 2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እብ 9:22-28—ሕድገት ሓጢኣት ሳላ ደም ክርስቶስ ጥራይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ሃዋርያ ጳውሎስ ገለጸ

    • ራእ 7:9, 10, 14, 15—ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሳላ እቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኪዀኑ ዝኸኣሉ “ብዙሓት ህዝቢ” ብራእይ ረኣየ

የሆዋ ይቕረ ኺብለልና እንተ ደሊና፡ ካልኦት ኪብድሉና ኸለዉ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ማቴ 6:14, 15፣ ማር 11:25፣ ሉቃ 17:3, 4፣ ያእ 2:13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 42:7-10—የሆዋ ንጸበባ እዮብ ኣርሒቑ ንጥዕናኡን ንብልጽግናኡን ቅድሚ ምምላሱ፡ እዮብ ነቶም ጌጋ ዘረባ እተዛረቡ ሰለስተ ብጾቱ ኺጽልየሎም ሓተቶ

    • ማቴ 18:21-35—የሱስ፡ በደልና ምእንቲ ኺሕደገልና፡ ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ከም ዚግባእ ዚሕብር ምሳሌ ኣዘንተወ

ኑዛዜን ልባዊ ንስሓን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ግብ 3:19፣ 26:20፣ 1ዮሃ 1:8-10

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 32:1-5፣ 51:1, 2, 16, 17—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ብምግባሩ፡ ተደቝሰ፡ ልቡ እውን ተሰብረ፣ እንተዀነ ግና፡ ካብ ልቢ ተነስሐ

    • ያእ 5:14-16—ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ክንቀርብ ከም ዘሎና ያእቆብ ገለጸ

የሆዋ ይቕረ ኺብለልና እንተ ደሊና፡ እንታይ ለውጥታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ምሳ 28:13፣ ኢሳ 55:7፣ ኤፌ 4:28

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 21:27-29፣ 2ዜና 18:18-22, 33, 34፣ 19:1, 2—ንጉስ ኣከኣብ ምስ ተፈርዶ፡ ርእሱ ኣትሓተ፡ የሆዋ እውን ምሕረት ገበረሉ፣ ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ንስሓ ስለ ዘየርኣየ፡ የሆዋ ኸም እኩይ ገይሩ ረኣዮ፡ ብሞት እውን ቀጽዖ

    • 2ዜና 33:1-16—ንጉስ ምናሴ ኣመና እኩይ ነበረ፣ ምስ ተነስሐ ግና፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። ምናሴ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ብምቅላስን ንጹህ ኣምልኾ ብምስፍሕፋሕን ብሓቂ ኸም እተቐየረ ኣርኣየ

የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ይቕረ ዚብለሎም፧

መዝ 103:10-14፣ ኢሳ 1:18፣ 38:17፣ ኤር 31:34፣ ሚክ 7:19

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ሳሙ 12:13፣ 24:1፣ 1ነገ 9:4, 5—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ግና ነቲ እተነስሐ ንጉስ ይቕረታ ገበረሉ፡ ደሓር እውን ብንጽህና ኸም እተመላለሰ ገይሩ ተዛረበሉ

የሱስ ነቲ የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ድሉውነት ከመይ ገይሩ እዩ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዘንጸባረቖ፧

መዝ 86:5፣ ሉቃ 23:33, 34

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 26:36, 40, 41—ኣብቲ የሱስ ደገፍ ኣመና ኣድልይዎ ዝነበረ እዋን፡ እቶም ዚቐርብዎ ሰዓብቱ ደቀሱ፣ የሱስ ግና ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ተረድኣሎም

    • ማቴ 26:69-75፣ ሉቃ 24:33, 34፣ ግብ 2:37-41—ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ እኳ እንተ ኸሓዶ፡ ንሱ ግና ነዚ እተነስሐ ሃዋርያኡ ይቕረ በለሉ፣ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ ብውልቂ ተራእዮ፡ ጸኒሑ እውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ሃቦ

ይቕረታ የሆዋ ደረት ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ማቴ 12:31፣ እብ 10:26, 27፣ 1ዮሃ 5:16, 17

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 23:29-33—የሱስ ንጸሓፍትን ንፈሪሳውያንን፡ ብደረጃ ጕጅለ ፍርዲ ገሃነም ከም ዚፍረዶም ወይ ንሓዋሩ ኸም ዚጠፍኡ ኣጠንቀቖም

    • ዮሃ 17:12፣ ማር 14:21—የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ጸውዖ፣ ብተወሳኺ እውን፡ “እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ” በለ

ክርስትያናት ይቕረ ንምባል ብምንታይ ኪልዓዓሉ ይኽእሉ፧