ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናጽነት

ናጽነት

ኣብ ብዘሎ ዩኒቨርስ ምሉእ ዘይጕዱል ናጽነት ዘለዎ መን ጥራይ እዩ፧

ኢሳ 40:13, 15፣ ሮሜ 9:20, 21

ሮሜ 11:33-36 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 4:29-35—ንጉስ ነቡካድነጻር፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧” ኪብሎ ዚኽእል እውን ከም ዘየልቦ ገለጸ

    • ኢሳ 45:6-12—የሆዋ ፈጣሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ንሕቶና ኺምልስ ግዴታ ኸም ዘይብሉ ገለጸ

የሆዋ ምሉእ ናጽነት እናሃለዎ ኽነሱ፡ እንታይ እዩ ኸቶ ዘይገብር፧

ናጽነትና ድሩት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ክርስትያናት ምእንቲ ኻልኦት ኢሎም ንናጽነቶም ቀይዲ ዚገብሩሉ ስለምንታይ እዮም፧

ኣገልገልቲ የሆዋ ብዙሕ ናጽነት ኣለዎም ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

ንኣምላኽ ዜገልግሉ ዘበሉ ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

መዝ 40:8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 18:3፣ እብ 11:8-10—እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ኣብርሃም ኣብ ምሉእ ህይወቱ ተስፋ ነበሮ

    • እብ 11:24-26—ነብዪ ሙሴ ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ብዙሕ ዕግበትን ናጽነትን ተስፋን ነበሮ

የሆዋ ኻብ ምንታይ ባርነት እዩ ሓራ ዜውጽኣና፧

ነቲ ኸም ክርስትያናት መጠን ዘሎና ናጽነት ብዘይግቡእ ክንጥቀመሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናት ብፍቕሪ ተደሪኾም ንገሊኡ ናጽነቶም ዘይጥቀሙሉ መዓስ እዮም፧

መልእኽትና ንሰባት ሓራ ዜውጽኦም ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ሓርነት ከም እንረክብ እዩ ዜተስፉ፧

እቶም ቃሕ ዝበሎም ዚገብሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ባርነት እዮም ዘለዉ፧

ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማዕረ ምዃኖም ዜርኢ እንታይ እዩ፧