ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕርክነት ምስ ዓለም

ዕርክነት ምስ ዓለም

ገዛኢ እዛ ናይ ዘይኣመንቲ ዓለም መን እዩ፧

ኤፌ 2:2፣ 1ዮሃ 5:19

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 4:5-8—ሰይጣን ንየሱስ ግዝኣት ዓለም ኣቕረበሉ፣ የሱስ እውን፡ ሰይጣን ነዚ ኬቕርብ ስልጣን ከም ዘይብሉ ኣይተማጐተን

ዕርክነት ምስ ዓለም ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ያእ 4:4፣ 1ዮሃ 2:15, 16

ያእ 1:27 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 18:1-3፣ 19:1, 2—ንጉስ ዮሳፋጥ ምስቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ ብምሕባሩ፡ የሆዋ ገንሖ

ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ ግቡእ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ ናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ብኸመይ ይጽሎ፧

ዕርክነት” ርአ

ነቲ እዛ ዓለም ብዛዕባ ፍቕረ ንዋይ ዘለዋ ኣረኣእያ እንነጽጎ ስለምንታይ ኢና፧

ፍቕረ ንዋይ” ርአ

ነቲ እዛ ዓለም ብዛዕባ ብዕሉግ ስጋዊ ትምኒት ዘለዋ ኣረኣእያ እንነጽጎ ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናት ንሰባትን ንውድባትን ከም ኣምልኾ ዝበለ ኣኽብሮት ዘይህቡ ስለምንታይ እዮም፧

ማቴ 4:10፣ ሮሜ 1:25፣ 1ቈረ 10:14

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 12:21-23—ንጉስ ቀዳማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኸም ኣምልኾ ዝዓይነቱ ውዳሰ ስለ እተቐበለ፡ የሆዋ ቐዘፎ

    • ራእ 22:8, 9—ሓደ ሓያል መልኣኽ ንሃዋርያ ዮሃንስ፡ ከይሰግደሉ ኸልከሎ፣ ኣምልኾ ንየሆዋ ጥራይ ከም ዚግባእ እውን ሓበሮ

ክርስትያናት ምስ ፖለቲካን ሃገራውነትን ኣብ ዚተሓሓዝ ነገራት ገለልተኛታት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያናት ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ርክብ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያናት ኣብ መለክዒታት የሆዋ ዘይለማለሙ ስለምንታይ እዮም፧

እዛ ዓለም እዚኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እትጸልኦም ስለምንታይ እያ፧

ነዛ ዓለም እዚኣ ኽንፈትዋ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናት ነቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት ብኸመይ እዮም ፍቕርን ለውሃትን ዜርእይዎም፧

ክርስትያናት ንዓለማዊ ሕግታትን ንዓለማውያን ገዛእትን ሰበ ስልጣንን ኬኽብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ማቴ 22:21፣ ሮሜ 13:1-7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 25:8፣ 26:2, 25—ሃዋርያ ጳውሎስ ዓለማዊ ሕግታት ይሕሉ፡ ንገዛእቲ እውን የኽብር ነበረ