ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓዘን

ሓዘን

ብሞት ምሕዛን ንቡር ምዃኑ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

የሆዋ ንሓዘንተኛታት ኬጸናንዖም ከም ዚደሊ ዜርኢ እንታይ ኣሎ፧

ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ምፍላጥና ብኸመይ የጸናንዓና፧

መክ 9:5, 10፣ 1ተሰ 4:13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 20:37, 38—ትንሳኤ ብርግጽ ስለ ዚፍጸም፡ ኣምላኽ ንምዉታት ከም ህያዋን ገይሩ ኸም ዚርእዮም የሱስ ገለጸ

    • ዮሃ 11:5, 6, 11-14—ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሰሎ

    • እብ 2:14, 15—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብፍርሂ ሞት ኣብ ትሕቲ ባርነት ክንቍረን ከም ዘይብልና ገለጸ

ሓደ ሰብ ኣብ ዚሞተሉ ግዜ ዝሓሸ ስም ኪህልዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ብኸመይ ይገልጾ፧ ኣምላኽከ ንሞት እንታይ ኪገብሮ እዩ፧

ብዛዕባ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

ኢሳ 26:19፣ ዮሃ 5:28, 29፣ ግብ 24:15

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትሽዓተ ትንሳኤ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እቶም ሸሞንተ ናብ ምድራዊ ህይወት እዮም ተንሲኦም። እቶም ብሞት ሰቦም ዚሓዝኑ ሰባት፡ ካብዚ ዛንታታት እዚ መጸናንዕን ተስፋን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም

      • 1ነገ 17:17-24—ነብዪ ኤልያስ ኣብታ ኣብ ሲዶን እትርከብ ሰራጵታ ንእትነብር መበለት ወዳ ኣተንስኣላ

      • 2ነገ 4:32-37—ነብዪ ኤልሳእ ኣብ ሹነም ንሓደ ቘልዓ ኣተንስኦ

      • 2ነገ 13:20, 21—ካብ ዚመውት ነዊሕ ዘይገበረ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ ነብዪ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ተንስአ

      • ሉቃ 7:11-15—የሱስ ኣብ ከተማ ናይን ናብ ቀብሪ ዝኸዱ ሰባት ደው ኣቢሉ ንወዲ ሓንቲ መበለት ኣተንስኦ

      • ሉቃ 8:41, 42, 49-56—የሱስ ንጓል እቲ ያኢሮስ ዚብሃል መራሕ ምኵራብ ኣተንስኣ

      • ዮሃ 11:38-44—የሱስ ንዓርኩ ኣልኣዛር ኣተንሲኡ ምስተን ማርታን ማርያምን ዚብሃላ ኣሓቱ ኸም ዚራኸብ ገበረ

      • ግብ 9:36-42—ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ብሰናይ ግብራ እትፍለጥ ዶርቃስ እትብሃል ክርስትያን ኣተንስኣ

      • ግብ 20:7-12—ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኻብ መስኰት ወዲቑ ዝሞተ ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣተንስኦ

    • የሱስ ክርስቶስ ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ተንስአ፣ እዚ ድማ ኵሉ ተስፋና ኸም ዚፍጸም መተኣማመኒ ይህበና

    • ካብቶም ናብ ሰማይ ዚትንስኡን ዘይመውት ህይወት ዚውሃቦምን፡ የሱስ ናይ መጀመርታ እዩ፣ እቶም 144,000 ቅቡኣት ሰዓብቱ፡ ተመሳሳሊ ትንሳኤ ይረኽቡ እዮም

ብሞት ሰቦም ንዚሓዝኑ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧