ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልቢ

ልቢ

ምሳልያዊ ልቢ ነቲ ንሓሳባትን ንሃቐናን ንባህርያትን ንስምዒታትን ዜጠቓልል ውሽጣዊ እንታይነት ከም ዜመልክት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕብር፧

መዝ 49:3፣ ምሳ 16:9፣ ሉቃ 5:22፣ ግብ 2:26

ዘዳ 15:7፣ መዝ 19:8 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 9:46-48—የሱስ ንሃዋርያቱ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ኻብ ካልኦት ናይ ምዕባይ ድሌት ኣረሞም

ንልብና ኽንሕልዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1ዜና 28:9፣ ምሳ 4:23፣ ኤር 17:9

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 6:5-7—ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ኽፍኣት ናብ ዓመጻ መርሐ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ኣዝነመ

    • 1ነገ 11:1-10—ንጉስ ሰሎሞን ንልቡ ኣይሓለዎን፣ ጓኖት ኣንስቲ ስለ ዘእተወ፡ ንሳተን ንልቡ ኻብ የሆዋ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ

    • ማር 7:18-23—ንሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜርክሶ ዘበለ ዅሉ ኻብ ልቢ ኸም ዚወጽእ የሱስ ገለጸ

ከመይ ጌርና ኢና ንልብና እንሕልዎ፧

መዝ 19:14፣ ምሳ 3:3-6፣ ሉቃ 21:34፣ ፊል 4:8

እዝ 7:8-10፣ መዝ 119:11 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኤፌ 6:14-18፣ 1ተሰ 5:8—ሃዋርያ ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ኣጽዋር ኺዝርዝሮ ኸሎ፡ ከምቲ ድርዒ ቓል ብቓሉ ንልቢ ኻብ መጥቃዕቲ ዜዕቍቦ፡ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን እውን ንምሳልያዊ ልብና ኸም ዚሕልዎ ገለጸ

ምሳልያዊ ልብና ጸገም እንተ ኣልይዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ምሳ 21:2-4፣ እብ 3:12

ምሳ 6:12-14 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 25:1, 2, 17-27—ንጉስ ኣማስያ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ይገብር ነበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቢ ኣይነበረን፣ ጸኒሑ ዕቡይን ጠላምን ኰነ፡ ሳዕቤኑ እውን ዓጸደ

    • ማቴ 7:17-20—ከምቲ ሕማቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ፡ ሕማቕ ልቢ እውን ሕማቕ ኣካይዳ ኸም ዚፈሪ የሱስ ገለጸ

ስለምንታይ ኢና ጽቡቕ ልቢ ኸነማዕብል ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

ምሳ 10:8፣ 15:28፣ ሉቃ 6:45

መዝ 119:97, 104፣ ሮሜ 12:9-16፣ 1ጢሞ 1:5 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 20:1-6—ንጉስ ህዝቅያስ ሞቱ ምስ ቀረበ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ብምግልጋሉ ምሕረት ኪግበረሉ ለመነ

    • ማቴ 21:28-32—ልቢ ሰብ በቲ ዚብሎ ዘይኰነስ፡ በቲ ዚገብሮ እንታይነቱ ኸም ዚርአ የሱስ ብምሳሌ ገለጸ

የሆዋ ንልብና ዚምርምሮ ምዃኑ ስለምንታይ እዩ ዜጸናንዓና፧

1ዜና 28:9፣ ኤር 17:10

1ሳሙ 2:3 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 16:1-13—ነብዪ ሳሙኤል፡ የሆዋ ብደጋዊ ትርኢት ከም ዘይፈርድ፡ የግዳስ ልቢ ሰብ ከም ዚርኢ ተረድአ

    • 2ዜና 6:28-31—ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ወፈያ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ኣምላኽ ንልቢ ሰብ ብምሕረትን ብልክዕን ከም ዜንብቦ ተሓቢሩ ኣሎ