ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓርግ

መዓርግ

ክርስትያናት ንሰብ ክብሪ ዚህብ ሃይማኖታዊ መዓርግ ኪጥቀሙ ይግባእዶ፧

ዮሃ 5:41

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 18:18, 19—የሱስ ሕያዋይ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ “ሕያዋይ መምህር” ዚብል ናይ መዓርግ መጸውዒ ኣይተቐበሎን፣ ኵሉ ሕያውነት ካብ የሆዋ ምዃኑ እውን ገለጸ

ክርስትያናት ንሰባት፡ ብኸም “ኣቦ” ወይ “መራሒ” ዚብል ሃይማኖታዊ መዓርግ ዘይጽውዑ ስለምንታይ እዮም፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 23:9-12—የሱስ ንክርስትያናት፡ ከም “ኣቦ” ወይ “መራሒ” ዝኣመሰለ ናይ ክብሪ መዓርግ ከይጥቀሙ ኸልከሎም

    • 1ቈረ 4:14-17—ሃዋርያ ጳውሎስ ንብዙሓት ከም ኣቦኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ኣባ ጳውሎስ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መጸውዒ ኣይንረክብን ኢና

ክርስትያናት ንሓድሕዶም ‘ሓውና’ ወይ ‘ሓብትና’ እናተባሃሃሉ ኺጻዋውዑ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ገይሮም እውን ኪራኣኣዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ማቴ 23:8

ግብ 12:17፣ 18:18፣ ሮሜ 16:1 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 12:46-50—የሱስ፡ እቶም ከምኡ ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት መንፈሳውያን ኣሓዋቱን ኣሓቱን ምዃኖም ብንጹር ገለጸ

ክርስትያናት ንዓለማውያን ገዛእትን ፈራዶን ሰበ ስልጣንን ብመዓርጎም ኪጽውዕዎም ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሮሜ 13:1, 7፣ 1ጴጥ 2:17

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 26:1, 2, 25—ሃዋርያ ጳውሎስ ንኸም ኣግሪጳን ፌስጦስን ዝኣመሰሉ ዓለማውያን ገዛእቲ በቲ ወግዓዊ መዓርጎም ጸውዖም