ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትሕትና

ትሕትና

የሆዋ ንትሑታትን ንዕቡያትን ብኸመይ ይርእዮም፧

መዝ 138:6፣ ምሳ 15:25፣ 16:18, 19፣ 22:4፣ 1ጴጥ 5:5

ምሳ 29:23፣ ኢሳ 2:11, 12 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 26:3-5, 16-21—ንጉስ ዑዝያ ተዓበየ፣ ሕጊ ኣምላኽ ጠሓሰ፡ ምኽሪ ምስ ተዋህቦ እውን ነደረ፣ ኣምላኽ ከኣ ብደዌ ወቕዖ

    • ሉቃ 18:9-14—የሱስ ብምሳሌ ገይሩ፡ የሆዋ ብዛዕባ ጸሎት ዕቡያትን ጸሎት ትሑታትን ከመይ ከም ዚስምዖ ገለጸ

ሓደ ሰብ ብትሕትና ኻብ ልቡ ምስ ዚንሳሕ፡ የሆዋ ብኸመይ ይርእዮ፧

2ዜና 7:13, 14፣ መዝ 51:2-4, 17

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 12:5-7—ንጉስ ሮብዓምን መሳፍንቲ ይሁዳን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርእሶም ኣትሓቱ፣ በዚ ኸምዚ ኻብ ጥፍኣት ደሓኑ

    • 2ዜና 32:24-26—እቲ ብቕንዕና እተመላለሰ ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ሓደ እዋን ተዓበየ፣ ርእሱ ምስ ኣትሓተ ግና፡ የሆዋ ይቕረታ ገበረሉ

ብትሕትና ምምልላስ ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧

ኤፌ 4:1, 2፣ ፊል 2:3፣ ቈሎ 3:12, 13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 33:3, 4—ያእቆብ ነቲ ኣቐዲሙ ዚጸልኦ ዝነበረ ሓዉ ኤሳው ብዓብዪ ትሕትና ሰላምታ ሃቦ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መንጎኦም ሰላም ተፈጥረ

    • መሳ 8:1-3—ጊዴዎን ንሰብ ኤፍሬም፡ ንሳቶም ካብኡ ኸም ዚበልጹ ነገሮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ንቝጥዓኦም ኣዝሓሎ፡ ግጭት እውን ኣወገደ

የሱስ ክርስቶስ፡ ኣገዳስነት ትሕትና ብኸመይ ምሂሩ፧

ማቴ 18:1-5፣ 23:11, 12፣ ማር 10:41-45

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኢሳ 53:7፣ ፊል 2:7, 8—ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ የሱስ ነቲ ናብ ምድሪ ኺመጽእን ብዜዋርድ መገዲ ኺመውትን እተዋህቦ ምድብ ብትሕትና ተቐበሎ

    • ሉቃ 14:7-11—የሱስ ኣገዳስነት ትሕትና ንምግላጽ፡ ዕዱማት ብዛዕባ ዚቕመጡሉ ቦታ ምሳሌ መሰለ

    • ዮሃ 13:3-17—የሱስ ትሕት ኢሉ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ፡ ንሰዓብቱ ኣርኣያ ሃቦም

ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ ኻልኦትን ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ትሑታት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ናይ ሓሶት ትሕትና ዋጋ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧