ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽህና፣ መንቅብ ኣልቦነት

ንጽህና፣ መንቅብ ኣልቦነት

ኣብዚ መዳይ እዚ ንጽህና ወይ መንቅብ ዘይብሉ ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ እዩ፧

መዝ 18:23-25፣ 26:1, 2፣ 101:2-7፣ 119:1-3, 80

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሌ 22:17-22—ብየሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ንመስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ “ጥዑይ፡” ምሉእ፡ ወይ ጕድለት ዘይብሉ ኪኸውን ነበሮ፣ እታ “ጥዑይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስታ “ንጽህና” ተባሂላ እትትርጐም ቃል ትዛመድ እያ፣ ስለዚ፡ ንጽህና ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ምሉእን ጕድለት ዘይብሉን ተወፋይነት የመልክት

    • እዮ 1:1, 4, 5, 8፣ 2:3—ሓደ ሰብ ብንጽህና ንምምልላስ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ኬኽብሮን ብምሉእ ልቡ ኼምልኾን ካብቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ዘበለ ኪርሕቕን ከም ዚግባእ፡ ኣብ ህይወት እዮብ ተራእየ

ብንጽህና ኽንመላለስ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ንጽህናና ንምሕላው እንታይ ኬለዓዕለና ይኽእል፧

ከመይ ጌርና ኢና ንጽህና ኸነማዕብልን ንጽህናና ኽንሕሉን እንኽእል፧

እያ 24:14, 15፣ መዝ 101:2-4

ዘዳ 5:29፣ ኢሳ 48:17, 18 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 31:1-11, 16-33—እዮብ ካብ ርኽሰት ብምርሓቕ፡ ንሰባት ከኣ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ብምሓዝ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ብንጽህና ተመላለሰ። ንየሆዋ በይኑ የምልኽ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ይርሕቕ፡ ካብ ፍቕረ ንዋይ እውን ይርሕቕ ነበረ

    • ዳን 1:6-21—ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ብዘይኣመንቲ ተኸቢቦም ክነሶም፡ ዚበልዕዎ ምግቢ ኺሓርዩ ኸለዉ እኳ ንጽህናኦም ሓለዉ

ሓደ ሰብ ከቢድ ጌጋታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ከም ብሓድሽ ንጽህናኡ ሓልዩ ኸም ዚመላለስ ጌርካ ኺርአ ይከኣል ድዩ፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 9:2-5፣ መዝ 78:70-72—ንጉስ ዳዊት ካብ ሓጢኣቱ ስለ እተነስሐን ይቕረታ ስለ ዝረኸበን፡ የሆዋ ንዳዊት ብንጽህና ኸም እተመላለሰ ገይሩ ረኣዮ

    • ኢሳ 1:11-18—የሆዋ ንህዝቡ፡ ግቡዛትን ሓጥኣንን ብምዃኖም እኳ እንተ ዀነኖም፡ እንተ ተነሲሖምን መገድታቶም እንተ ቐዪሮምን ምሉእ ብምሉእ ከም ዜንጽሆም ሓበረ