ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለውሃት

ለውሃት

የሆዋ ለዋህ ምዃኑ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

ሮሜ 3:23, 24፣ ቲቶ 3:3-6፣ እብ 2:9፣ 1ጴጥ 5:5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮና 3:10፣ 4:11—የሆዋ ነቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ ብለውሃት ይቕረ በለሎም፣ ዋላ እውን ንእንስሳታቶም ደንገጸለን

    • ሉቃ 6:32-36—የሱስ፡ የሆዋ ንዘየመስግኑን ንእኩያትን ለዋህ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ለዋሃት ክንከውን መዘኻኸሪ ሃበና

ገለ ኻብቲ ለውሃት ከነርእየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

ምሳ 19:17፣ 22:9፣ ሉቃ 6:35፣ ኤፌ 4:32

ምሳ 11:17፣ 31:10, 26፣ እብ 13:16 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማር 14:3-9፣ ዮሃ 12:3—የሱስ ንማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር፡ ስለቲ ብልግሲ ዝገበረቶ ሰናይ ተግባር ነኣዳ

    • 2ጢሞ 1:16-18—ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኦኔሲፎሮስ ንጳውሎስ መንፈሱ ኣሐደሰሉ