ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕሪ

ፍቕሪ

የሆዋ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ኤር 31:3፣ ዮሃ 3:16፣ ሮሜ 5:8፣ 1ዮሃ 4:8, 19

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 1:1, 26-31፣ 2:8, 9, 15, 16—የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንደቂ ሰብ፡ ምድርን ገነት ኤደንን ኣዳለወሎም

    • መዝ 104:27-30—ሓደ ዘማሪ ንየሆዋ፡ ስለቲ ንዅሎም ህያዋን ዘለዎ ሓልዮት ወደሶ

ብኸመይ ኢና ፍቕርና ኸነርኢ እንኽእል፧

ዮሃ 13:34, 35፣ 15:12, 13፣ 1ጴጥ 4:8፣ 1ዮሃ 4:10, 11፣ 5:3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 22:36-39—የሱስ እተን ካብ ኵሉ ዝዓበያ ኽልተ ትእዛዛት፡ ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንሰባትን ምዃነን ገለጸ

    • 1ቈረ 13:1-8—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ኣገዳሲት ምዃና ገለጸ፣ ብኸመይ ፍቕሪ ኸነርኢ ኸም እንኽእል እውን ሓበረ