ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓሶት

ሓሶት

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ቃሎም ዘይሕልዉ እንታይ ይስምዖ፧

ሮሜ 1:31, 32

መዝ 15:4፣ ማቴ 5:37 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 9:27, 28, 34, 35—ፈርኦን ንህዝቢ ኣምላኽ ኪሰድዶም ተሰማሚዑ ኼብቅዕ፡ ቃሉ ለወጠ

    • ህዝ 17:11-15, 19, 20—የሆዋ ንንጉስ ጼዴቅያስ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎን ዝመሓለሉ ማሕላን ምስኡ ዝኣተዎ ኺዳንን ስለ ዘፍረሰ፡ ቀጽዖ

    • ግብ 5:1-10—ሃናንያን ሰጲራን ነቲ ሸይጦም ዝረኸብዎ ገንዘብ ብምሉኡ ንጉባኤ ኸም ዝወፈዩ ኣምሲሎም ሓሰዉ

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዚሓምዩ ወይ ስም ሰብ ዜጸልሙ እንታይ ይስምዖ፧

መዝ 15:1-3፣ ምሳ 6:16-19፣ 16:28፣ ቈሎ 3:9

ምሳ 11:13፣ 1ጢሞ 3:11 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ሳሙ 16:1-4፣ 19:24-30—ጺባ ነቲ እሙን ዝነበረ ጐይታኡ መፊቦሸት ሓመዮ

    • ራእ 12:9, 10—ድያብሎስ ወይ እቲ ሓማዪ ወትሩ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ይኸስሶም