ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕረ ንዋይ

ፍቕረ ንዋይ

መጽሓፍ ቅዱስ ንገንዘብ፡ ንጥሪት፡ ወይ ነቶም ነዚ ዜጥርዩ ሰባት ይዅንንዶ፧

መክ 7:12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 3:11-14—ሰሎሞን ትሑት ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ብብዙሕ ሃብቲ ባረኾ

    • እዮ 1:1-3, 8-10—እዮብ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ፣ ቅድም ቀዳድም ግና ንጹህ ሰብ ነበረ

ሃብትን ጥሪትን፡ ዕግበት ኰነ ናይ ኣእምሮ ሰላም ዘየምጽእ ስለምንታይ እዩ፧

ሃብቲ ፈጺሙ ዘይጠቅም መዓስ እዩ፧

ምስ ገንዘብን ጥሪትን ብእተተሓሓዘ፡ እቲ ቐንዲ ሓደጋ እንታይ እዩ፧

ሃብቲ መታለሊ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምሳ 11:4, 18, 28፣ 18:11፣ ማቴ 13:22

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 8:18-24—ስምኦን ብዕሽነት ተለዓዒሉ፡ ብገንዘቡ ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ዚዕድግ መሰሎ

ፍቕሪ ገንዘብ እንታይ ኬኽፍለና ይኽእል፧

ማቴ 6:19-21፣ ሉቃ 17:31, 32

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማር 10:17-23—ጥሪቱ ዚፈቱ ዝነበረ ሃብታም ጐበዝ፡ ንየሱስ ናይ ምስዓብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣምለጦ

    • 1ጢሞ 6:17-19—ሃዋርያ ጳውሎስ ንሃብታማት ክርስትያናት ከይዕበዩ እሞ ሞገስ ኣምላኽ ከይስእኑ ኣጠንቀቖም

ፍቕረ ንዋይ ንእምነትና ኼዳኽማን ሞገስ ኣምላኽ ኬስእነናን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ዘዳ 8:10-14፣ ምሳ 28:20፣ 1ዮሃ 2:15-17

መዝ 52:6, 7፣ ኣሞ 3:12, 15፣ 6:4-8 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 31:24, 25, 28—እዮብ እምንቶኡ ኣብ ሃብቲ ኣይገበረን፣ ከምኡ ምግባርሲ ንኣምላኽ ከም ምኽሓድ ምዃኑ ኣይሰሓቶን

    • ሉቃ 12:15-21—የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ሃብታም ሰብኣይ ብምዝንታው፡ ካብ ፍቕረ ንዋይ ክንሕሎ ኣጠንቀቐ

በቲ ዘሎና ኽንዓግብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ ስጋዊ ጥሪት ዚበልጽ እንታይ ኣሎ፧ ስለምንታይከ፧

ምሳ 3:11, 13-18፣ 10:22፣ ማቴ 6:19-21

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሃጌ 1:3-11—እስራኤላውያን ነታ ቤተ መቕደስ ኣብ ክንዲ ምህናጽ፡ ንኣባይቶምን ንምሾቶምን ስለ ዘቐደሙ፡ የሆዋ ዋላ እውን ብስጋዊ መዳይ ከም ዘይባርኾም፡ ብነብዪ ሃጌ ኣቢሉ ገለጸሎም

    • ራእ 3:14-19—ጉባኤ ሎዲቅያ ኻብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንላዕሊ ንስጋዊ ሃብቲ ስለ ዘቐደመት፡ የሱስ ገንሓ

የሆዋ ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚህበና ኽንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧