ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስለት

ብስለት

ኵሉ ክርስትያን ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንምብጻሕ ጻዕሪ ኺገብር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ናብ ብስለት ክንዓቢ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ብዕድመ ዝደፍኡ ጥራይ ድዮም ናብ ብስለት ኪበጽሑ ዚኽእሉ፧

እዮ 32:9፣ 1ጢሞ 4:12

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 1:6-20—ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ገና መንእሰያት እኳ እንተ ነበሩ፡ ዜደንቕ ብስለትን ተኣማንነትን ነበሮም

    • ግብ 16:1-5—ጢሞቴዎስ ከቢድ ሓላፍነት ኪውሃቦ ኸሎ፡ ወዲ 20 ዓመት ወይ ካብኡ ንታሕቲ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል

ኣብ ጉባኤ እንረኽቦ ጽቡቕ ዕርክነት ኣባና እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧

ብሱላት ከም ዝዀንና ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ሓደ ብሱል ክርስትያን ሰብኣይ ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነት ንምስካም ጻዕሪ ኺገብር ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብኸመይ ጥራይ ኢና ብሱላትን ውጽኢታውያንን ክንከውን እንኽእል፧

ሉቃ 21:14, 15፣ 1ቈረ 2:6, 10-13

ሉቃ 11:13 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 10:19, 20—የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሕግዞም ኣረጋገጸሎም