ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሕረት

ምሕረት

ምሕረት እንታይ የጠቓልል፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 51:1, 2—ንጉስ ዳዊት ካብ የሆዋ ምሕረት ኣብ ዝለመነሉ እዋን፡ ይቕረታ ኺግበረሉን ካብ ሓጢኣቱ ኺጸርን እዩ ዝለመነ

    • ሉቃ 10:29-37—የሱስ በቲ ንሓደ ንኣይሁዳዊ ዝለውሃሉን ዝሓለየሉን ሳምራዊ ኣቢሉ ብዛዕባ ምሕረት መሃረ

ንዅሎም ሰባት ምሕረት ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ምስ ምሕረት ብዚተሓሓዝ እንታይ ኣብነት እዩ ሰሪዑልና ዘሎ፧

ዘጸ 34:6፣ ነህ 9:17፣ መዝ 103:8፣ 2ቈረ 1:3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 42:1, 2, 6-10፣ ያእ 5:11—የሆዋ ንእዮብ ምሕረት ገበረሉ፡ መሓሪ ኪኸውን እውን መሃሮ

    • ሉቃ 15:11-32—የሱስ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ንምብራህ፡ ሓደ ኣቦ ንእተነስሐ ፋሉል ውሉዱ ብኸመይ ከም ዚሕዞ ኣዘንተወ

የሆዋ ዚምሕረና ስለምንታይ እዩ፧

መስዋእቲ ክርስቶስ ኣብ ሕድገት ሓጢኣት እንታይ ግደ ኣለዎ፧

ምሕረት ክንልምንን ነዚ ኣመስገንቲ ኽንከውንን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሉቃ 11:2-4፣ እብ 4:16

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 51:1-4—ንጉስ ዳዊት በቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ተደቝሰ፡ ብትሕትና ድማ ካብ የሆዋ ምሕረት ለመነ

    • ሉቃ 18:9-14—የሱስ ኣብ ዝመሰላ ምሳሌ፡ የሆዋ ነቶም ብትሕትና ድኽመቶም ዚእመኑ ኸም ዚምሕሮም ገለጸ

እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ እኳ ምሕረት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

ዘዳ 4:29-31፣ ኢሳ 55:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 33:9-13, 15—ምናሴ ኣመና እኩይ እኳ እንተ ነበረ፡ ተነሲሑ ምሕረት ለመነ፣ ስለዚ፡ ንግስናኡ ተመልሰሉ፣ ድሕሪኡ፡ ብሓቂ ኸም እተቐየረ ብተግባሩ ኣርኣየ

    • ዮና 3:4-10—ሰብ ነነዌ ኣብ ዓመጻን ምፍሳስ ደምን ተኣሊኾም እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብ መገድታቶም ተነስሑ፡ ምሕረት ኣምላኽ እውን ረኸቡ

ሓደ ሓጥእ ካብ የሆዋ ምሕረት ንምርካብ ኪንሳሕን መገዱ ኪቕይርን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ምሕረት ምስ ገበረልና እኳ፡ እተወሰነ መቕጻዕቲ ኺውሃበና ወይ ሳዕቤናት ሓጢኣትና ኽንዓጽድ ንኽእል ኢና

ስለምንታይ ኢና መሓርቲ ኽንከውን ዘሎና፧

ምሕረት ዘይንገብር እንተ ዄንና፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ኪጽሎ ይኽእል፧

ማቴ 9:13፣ 23:23፣ ያእ 2:13

ምሳ 21:13 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 18:23-35—የሱስ፡ የሆዋ ንዘይምሕር ሰብ ከም ዘይምሕር ዜርኢ ምሳሌ መሰለ

    • ሉቃ 10:29-37—ኣብ ሓንቲ ፍልጥቲ ምሳሌ፡ የሆዋን የሱስን ምሕረት ብዘይገብሩ ሰባት ባህ ከም ዘይብሎም፡ ከምቲ ምሕረት ዝገበረ ሳምራዊ ዝኣመሰሉ ሰባት ግና ባህ ከም ዜብልዎም ተዘንትዩ ኣሎ

የሆዋ ንመሓርቲ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧