ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግፍዒ

ግፍዒ

ግዳያት ግፍዒ እንተ ዄንና፡ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧

መዝ 69:20፣ ምሳ 18:14፣ መክ 4:1-3፣ ሚል 2:13-16፣ ቈሎ 3:21

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ሳሙ 10:1-5—ገሊኦም ናይ ንጉስ ዳዊት ተዋጋእቲ ኣካላዊ ጕድኣት እኳ እንተ ዘይወረዶም፡ ሕሱማት ጸላእቲ ኣዋረድዎም፣ ዳዊት ድማ ንሰቡ ፍሉይ ነገር ገበረሎም

    • 2ሳሙ 13:6-19—ኣምኖን ንታማር ምስ ዓመጻን ምስ ኣዋረዳን፡ ታማር በኸየት፡ ክዳና እውን ቀደደት

የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚወርድ ግፍዒ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ኪገብር እዩ፧

እዮ 34:21, 22፣ መዝ 37:8, 9፣ ኢሳ 29:15, 19-21፣ ሮሜ 12:17-21

መዝ 63:6, 7 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 25:3, 14-17, 21, 32-38—እቲ ጨካንን ክፉእ ዝግብሩን ናባል ንዳዊት ጸረፎ፡ ንቤተ ሰቡ እውን ኣብ ሓደጋ ኣእተዎም፣ የሆዋ ድማ ንናባል ወቕዖ እሞ ሞተ

    • ኤር 20:1-6, 9, 11-13—ካህን ጳሽሑር ንኤርምያስ ምስ ወቕዖን ኣብ ጕንዲ ምስ ኣሰሮን፡ ኤርምያስ በዚ ጐሃየ፣ ድሕርዚ ግና፡ የሆዋ ንኤርምያስ ኣተባብዖ፡ ካብ መከራኡ እውን ኣናገፎ