ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዴታት

ኣዴታት

ኣደ እንታይ ሓላፍነታት ኣለዋ፧

ምሳ 31:17, 21, 26, 27፣ ቲቶ 2:4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 21:8-12—ሳራ፡ እስማኤል ነቲ ሕጻን ዝነበረ ወዳ ይስሃቅ ኬሸግሮ ምስ ረኣየት፡ ንወዳ ኽትከላኸለሉ ኢላ ንኣብርሃም ተዛረበቶ

    • 1ነገ 1:11-21—ባትሴባ ንግስናን ህይወትን ወዳ ሰሎሞን ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጠት፡ ንንጉስ ዳዊት ለመነቶ

ንኣዴታትና ኽንእዘዘንን ከነኽብረንን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዘጸ 20:12፣ ዘዳ 5:16፣ 27:16፣ ምሳ 1:8፣ 6:20-22፣ 23:22

1ጢሞ 5:9, 10 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ጴጥ 3:5, 6—ሳራ ሳላ እታ ሓያል እምነታ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኸም ኣዲአን ከም ዝዀነት ሃዋርያ ጴጥሮስ ገለጸ

    • ምሳ 31:1, 15, 21, 28—ኣደ ንጉስ ልሙኤል ንወዳ ብዛዕባ ሓዳር ኰነ ብዛዕባ እቲ ሰበይትን ኣደን ዘለዋ ኽቡር ግደ ኣገዳሲ ምኽሪ ሃበቶ

    • 2ጢሞ 1:5፣ 3:15—ኤውንቄ ኣደ ጢሞቴዎስ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እናሃለዋ ኽነሱ፡ ንወዳ ኻብ ሕጻንነቱ ኣትሒዛ ቕዱሳት ጽሑፋት ስለ ዝመሃረቶ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ነኣዳ