ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተኣዛዝነት

ተኣዛዝነት

ተኣዛዝነት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 10:12, 13፣ መክ 12:13፣ ያእ 1:22

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 15:17-23—ንጉስ ሳኦል ንየሆዋ ስለ ዘይተኣዘዞ፡ ነብዪ ሳሙኤል ንሳኦል ገንሖ፣ ድሕሪኡ፡ ሳሙኤል ኣገዳስነት ተኣዛዝነት ኣጕልሐ

    • እብ 5:7-10—የሱስ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማህረ

ሓደ ብዓል ስልጣን ንሓደ ክርስትያን ትእዛዝ ኣምላኽ ኪጥሕስ እንተ ሓቲትዎ፡ እቲ ክርስትያን እንታይ እዩ ኺገብር ዚግብኦ፧

ግብ 5:29

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 3:13-18—እቶም ሰለስተ እሙናት እብራውያን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ

    • ማቴ 22:15-22—ክርስትያናት ብዓለማውያን ሰበ ስልጣን ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽ ኪጥሕሱ ኽሳዕ ዘይተሓትቱ፡ ኪእዘዝዎም ከም ዘለዎም የሱስ ገለጸ

    • ግብ 4:18-31—ሰበ ስልጣን ንሃዋርያት፡ ስብከቶም ደው ኬብሉ እኳ እንተ ኣዘዝዎም፡ ንሳቶም ግና ስብከቶም ኣየቋረጹን

ትእዛዛት የሆዋ ብቐጻሊ ንምሕላው፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ዘዳ 6:1-5፣ መዝ 112:1፣ 1ዮሃ 5:2, 3

መዝ 119:11, 112፣ ሮሜ 6:17 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዝ 7:7-10—እቲ እሙን ካህን ዝነበረ እዝራ ሕጊ ኣምላኽ ንምሕላውን ንኻልኦት ንምምሃርን ልቡ ኣዳለወ

    • ዮሃ 14:31—የሱስ ልክዕ ከምቲ ኣቦኡ ዝኣዘዞ ዚገብረሉ ምኽንያት ገለጸ

ካብ ምንታይ ተላዒልና ኢና ንየሆዋን ንየሱስን ክንእዘዞም ዘሎና፧

ተኣዛዝነትና እምነት ከም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

ሮሜ 1:5፣ 10:16, 17፣ ያእ 2:20-23

ዘዳ 9:23 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 6:9-22፣ እብ 11:7—ኖህ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ “ልክዕ ከምኡ” ገይሩ መርከብ ብምስራሕ እምነቱ ኣርኣየ

    • እብ 11:8, 9, 17—ኣብርሃም ካብ ኡር ብምውጻእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወዱ መስዋእቲ ኪኸውን ብምቕራብ እውን ብተኣዛዝነቱ ኣቢሉ እምነቱ ኣርኣየ

እዙዛት እንተ ዄንና፡ የሆዋ ብኸመይ ይባርኸና፧

ኤር 7:23፣ ማቴ 7:21፣ 1ዮሃ 3:22

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሌ 26:3-6—የሆዋ ነቶም ዚእዘዝዎ ኸም ዚባርኾምን ከም ዚሓልየሎምን ቃል ኣተወ

    • ዘሁ 13:30, 31፣ 14:22-24—ካሌብ ናይ ተኣዛዝነት መንፈስ ነበሮ፣ ስለዚ፡ ድማ ካብ የሆዋ በረኸት ረኸበ

ዘይተኣዛዝነት ናብ ምንታይ እዩ ዚመርሕ፧

ሮሜ 5:19፣ 2ተሰ 1:8, 9

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 2:16, 17፣ 3:17-19—ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ገነትን ፍጽምናን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ሰኣኑ

    • ዘዳ 18:18, 19፣ ግብ 3:12, 18, 22, 23—የሆዋ፡ ካብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ኸም ዚመጽእ፡ ንዕኡ ዘይተኣዘዞ ዘበለ ድማ ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዚዓጽድ ገለጸ

    • ይሁ 6, 7—የሆዋ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነት እቶም ዓለወኛታት መላእኽትን ነበርቲ ሶዶምን ጎሞራን ቍጥዓኡ ነደደ

ንየሱስ ክርስቶስ ክንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዘፍ 49:10፣ ማቴ 28:18

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 12:46-48፣ 14:24—የሱስ፡ እቶም ንቓሉ ዘይሰምዑ፡ ከቢድ ፍርዲ ኸም ዚፍረዶም ገለጸ

ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ሓለውቲ ዚእዘዝዎም ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትግዝኦ ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧

ውሉዳት ንወለዶም ዚእዘዝዎም ስለምንታይ እዮም፧

ምሳ 23:22፣ ኤፌ 6:1፣ ቈሎ 3:20

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 37:3, 4, 8, 11-13, 18—ዮሴፍ ብንእስነቱ ንኣቦኡ ይእዘዞ ነበረ፣ ኣሕዋቱ እናጸልእዎ ኽነሶም ከኣ ከመይ ከም ዘለዉ ኺርኢ ናባታቶም ከደ

    • ሉቃ 2:51—የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ሰብኣውያን ወለዱ እውን ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ይእዘዞም ነበረ

ሰብ ኣብ ዘይርእየና እዋን እኳ ንኣስራሒና እዙዛት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናት ንመንግስትታት እዙዛት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧