እርጋን፣ ኣረጋውያን
ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና እንታይ ኢና እንኸውን፧
“መጸናንዒ—ሕማም ወይ እርጋን ዜስዕቦ ድሩትነት” እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መክ 12:1-8—ንጉስ ሰሎሞን፡ እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት ብምሳልያዊ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ፣ ንኣብነት፡ ኣዒንቲ ኸም ዚደኽማ (“ብመሳዅቲ ዚጥምታ ጠመትቲ . . . ይጽልምተን”)፡ ኣእዛን እውን ከም ዚጻንዐን (“ደረፍቲ ኣዋልድ . . . ይልሕትታ”) ገሊጹ ኣሎ
-
ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እርጋን ዜስዕቦ መከራን ድሩትነትን እናተጻወሩ ሓጐሶም ኪዕቅቡ ይኽእሉዶ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 12:2, 23—ነብዪ ሳሙኤል ኣሪጉ እኳ እንተ ነበረ፡ ምእንቲ ህዝቢ የሆዋ ብቐጻሊ ኺጽሊ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ
-
2ሳሙ 19:31-39—ንጉስ ዳዊት ነቲ እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ባርዚላይ ብተኣማንነት ዝሃቦ ደገፍ ኣማሰወሉ፣ ባርዚላይ ከኣ ዘይክእሎ ነገር ኪገብር ምስ ተሓትተ፡ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ብትሕትና ተዛረበ
-
መዝ 71:9, 18—ንጉስ ዳዊት ብግዜ እርጋኑ ዋጋ ዘይብሉ ኸይከውን ስለ ዝሰግአ፡ ንዚቕጽል ወለዶ ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺምህር ኢሉ፡ ንየሆዋ “ኣይትደርብየኒ” ኢሉ ለመኖ
-
ሉቃ 2:36-38—ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ነብዪት ሃና ስለቲ ተወፋይነታን ስለቲ ብተኣማንነት ዘቕረበቶ ኣገልግሎትን ተባረኸት
-
የሆዋ ንኣረጋውያን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ብኸመይ እዩ ኣረጋጊጹሎም፧
መዝ 92:12-14፣ ምሳ 16:31፣ 20:29፣ ኢሳ 46:4፣ ቲቶ 2:2-5
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 12:1-4—ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንህይወቱ ዚቕይር መምርሒ ኻብ የሆዋ ተዋህቦ
-
ዳን 10:11, 19፣ 12:13—ሓደ መልኣኽ ናብቲ ኣብ 90ታት ዕድሚኡ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ከይዱ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍቱው ምዃኑን ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቢ ኸም ዚረክብን ኣረጋገጸሉ
-
ሉቃ 1:5-13—የሆዋ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ዮሃንስ ተባሂሉ እተሰምየ ወዲ ኸም ዚወልዱ ብምግባር ባረኾም
-
ሉቃ 2:25-35—የሆዋ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ስምኦን፡ ነቲ መሲሕ ዚኸውን ሕጻን ኣርኣዮ፣ ስምኦን ድማ ብመንፈስ ተመሪሑ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ተነበየ
-
ግብ 7:23, 30-36—የሆዋ ንነብዪ ሙሴ፡ ንህዝቢ እስራኤል ኪመርሕ ሓላፍነት ኣብ ዝሃቦ እዋን፡ ሙሴ ወዲ 80 ዓመት ነበረ
-
ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ብኸመይ ኪትሓዙ ኣለዎም፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 45:9-11፣ 47:12—ዮሴፍ ነቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦኡ ያእቆብ ልኢኹ ናብኡ ኣምጽኦ፣ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ እውን ናበዮ
-
ሩት 1:14-17፣ 2:2, 17, 18, 23—ሩት ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ናእሚ ብቓልን ብግብርን ደገፈታ
-
ዮሃ 19:26, 27—የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኺመውት ከሎ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ንኣዲኡ ኺከናኸነሉ ሕድሪ በሎ
-
ክርስትያናት ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣረጋውያን ንምክንኻን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧