ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እርጋን፣ ኣረጋውያን

እርጋን፣ ኣረጋውያን

ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና እንታይ ኢና እንኸውን፧

መዝ 71:9፣ 90:10

መጸናንዒ—ሕማም ወይ እርጋን ዜስዕቦ ድሩትነት” እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መክ 12:1-8—ንጉስ ሰሎሞን፡ እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት ብምሳልያዊ ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ፣ ንኣብነት፡ ኣዒንቲ ኸም ዚደኽማ (“ብመሳዅቲ ዚጥምታ ጠመትቲ . . . ይጽልምተን”)፡ ኣእዛን እውን ከም ዚጻንዐን (“ደረፍቲ ኣዋልድ . . . ይልሕትታ”) ገሊጹ ኣሎ

ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እርጋን ዜስዕቦ መከራን ድሩትነትን እናተጻወሩ ሓጐሶም ኪዕቅቡ ይኽእሉዶ፧

2ቈረ 4:16-18፣ ያእ 1:2-4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 12:2, 23—ነብዪ ሳሙኤል ኣሪጉ እኳ እንተ ነበረ፡ ምእንቲ ህዝቢ የሆዋ ብቐጻሊ ኺጽሊ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ

    • 2ሳሙ 19:31-39—ንጉስ ዳዊት ነቲ እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ባርዚላይ ብተኣማንነት ዝሃቦ ደገፍ ኣማሰወሉ፣ ባርዚላይ ከኣ ዘይክእሎ ነገር ኪገብር ምስ ተሓትተ፡ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ብትሕትና ተዛረበ

    • መዝ 71:9, 18—ንጉስ ዳዊት ብግዜ እርጋኑ ዋጋ ዘይብሉ ኸይከውን ስለ ዝሰግአ፡ ንዚቕጽል ወለዶ ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺምህር ኢሉ፡ ንየሆዋ “ኣይትደርብየኒ” ኢሉ ለመኖ

    • ሉቃ 2:36-38—ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ነብዪት ሃና ስለቲ ተወፋይነታን ስለቲ ብተኣማንነት ዘቕረበቶ ኣገልግሎትን ተባረኸት

የሆዋ ንኣረጋውያን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ብኸመይ እዩ ኣረጋጊጹሎም፧

መዝ 92:12-14፣ ምሳ 16:31፣ 20:29፣ ኢሳ 46:4፣ ቲቶ 2:2-5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 12:1-4—ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንህይወቱ ዚቕይር መምርሒ ኻብ የሆዋ ተዋህቦ

    • ዳን 10:11, 19፣ 12:13—ሓደ መልኣኽ ናብቲ ኣብ 90ታት ዕድሚኡ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ከይዱ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍቱው ምዃኑን ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቢ ኸም ዚረክብን ኣረጋገጸሉ

    • ሉቃ 1:5-13—የሆዋ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ዮሃንስ ተባሂሉ እተሰምየ ወዲ ኸም ዚወልዱ ብምግባር ባረኾም

    • ሉቃ 2:25-35—የሆዋ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ስምኦን፡ ነቲ መሲሕ ዚኸውን ሕጻን ኣርኣዮ፣ ስምኦን ድማ ብመንፈስ ተመሪሑ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ተነበየ

    • ግብ 7:23, 30-36—የሆዋ ንነብዪ ሙሴ፡ ንህዝቢ እስራኤል ኪመርሕ ሓላፍነት ኣብ ዝሃቦ እዋን፡ ሙሴ ወዲ 80 ዓመት ነበረ

ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ብኸመይ ኪትሓዙ ኣለዎም፧

ዘሌ 19:32፣ 1ጢሞ 5:1

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 45:9-11፣ 47:12—ዮሴፍ ነቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦኡ ያእቆብ ልኢኹ ናብኡ ኣምጽኦ፣ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ እውን ናበዮ

    • ሩት 1:14-17፣ 2:2, 17, 18, 23—ሩት ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ናእሚ ብቓልን ብግብርን ደገፈታ

    • ዮሃ 19:26, 27—የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኺመውት ከሎ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ንኣዲኡ ኺከናኸነሉ ሕድሪ በሎ

ክርስትያናት ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣረጋውያን ንምክንኻን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧