ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓለውቲ

ሓለውቲ

ክርስትያናት ሓለውቲ እንታይ ብቕዓታት እዮም ብሚዛናዊ ደረጃ ኼማልኡ ዘለዎም፧

ሓለውቲ ጉባኤ እንታይ ክርስትያናዊ ብቕዓታት ብምምላእ እዮም ኣብነታውያን ኪዀኑ ዘለዎም፧

ኣገልገልቲ ጉባኤ እንታይ ብቕዓታት እዮም ብሚዛናዊ ደረጃ ኼማልኡ ዘለዎም፧

ኣሕዋት ብመንፈስ ኣምላኽ እዮም ሓለውቲ ዀይኖም ዚሽየሙ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ግብ 20:28

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 13:2-5፣ 14:23—ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ጳውሎስን በርናባስን ኣብ እተፈላለያ ጉባኤታት ሓላፍነት ዚስከሙ ኣሕዋት ሸሙ፣ ሎሚ፡ ሓለውቲ ወረዳ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ድሕሪ ምጽላይን ነቲ ብቕዓታት ተዘርዚሩሉ ዚርከብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ድሕሪ ምምርማርን፡ ሓላፍነት ዚስከሙ ኣሕዋት ይሸሙ

    • ቲቶ 1:1, 5—ቲቶስ ናብ እተፈላለያ ጉባኤታት እናኸደ ሽማግለታት ኪሸይም ሓላፍነት ተዋህቦ

ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ መን እያ፧ እንታይ ዋጋኸ እዩ ተኸፊሉላ፧

ሓለውቲ ንኻልኦት ከም ዜገልግሉ ጌርካ ተገሊጾም ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ሓለውቲ ትሑታት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ፊል 1:1፣ 2:5-8፣ 1ተሰ 2:6-8፣ 1ጴጥ 5:1-3, 5, 6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 20:17, 31-38—ሃዋርያ ጳውሎስ ንሽማግለታት ኤፌሶን ብዛዕባ እቲ ንዓመታት ኣብ መንጎኦም ዝዓየዮ ዕዮ ኣዘኻኸሮም፣ ንሳቶም እውን ስለቲ ፍቕሩ ይፈትውዎ ነበሩ

ሓደ ክርስትያን ሓላዊ ነቲ ኻብቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚመጽእ መምርሒ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧

ሽማግለታት ዚምህሩሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧

1ጢሞ 4:12፣ 1ጴጥ 5:2, 3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ነህ 5:14-16—ነህምያ ንየሆዋ ይፈርሆን የኽብሮን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሮ ስልጣን ብዘይግቡእ ኣይተጠቕመሉን፡ ዋላ እውን ዚግብኦ ኣይወሰደን

    • ዮሃ 13:12-15—የሱስ ንሰዓብቱ ናይ ትሕትና ኣብነት ብምዃን መሃሮም

ሓደ ክርስትያን ጓሳ ንነፍሲ ወከፍ እቶም ኣብ ጉባኤኡ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ብኸመይ ፍቕራዊ ሓልዮት ኬርእዮም ይኽእል፧

ሽማግለታት ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዝሓመሙ ዘበሉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

ሽማግለታት ኪምህሩ ኸለዉ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

ሽማግለታት ስነ ምግባራዊ ንጽህና ጉባኤ ንምሕላው ትጉሃት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ሽማግለታት ንመን ኣብ ምስልጣን እዮም ብትግሃት ዚዓይዩ፧

2ጢሞ 2:1, 2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 10:5-20—የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ናብ ስብከት ቅድሚ ምልኣኹ ኣሰልጠኖም

    • ሉቃ 10:1-11—የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ናብ ስብከት ቅድሚ ምልኣኹ መምርሒ ሃቦም

ካበይ ብዚርከብ ሓገዝ እዮም ሽማግለታት ብዙሕ ሓላፍነታት ኪስከሙ ዚኽእሉ፧

1ጴጥ 5:1, 7

ምሳ 3:5, 6 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 3:9-12—ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ንህዝቢ የሆዋ ንምፍራድ ዜኽእሎ ምስትውዓልን ኣእምሮን ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸለየ

    • 2ዜና 19:4-7—ንጉስ ዮሳፋጥ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ፈራዶ ሸመ፣ ንሳቶም ነቲ ኣገዳሲ ሓላፍነት ኪስከሙ ኸለዉ የሆዋ ምሳታቶም ከም ዚኸውን ከኣ ኣዘኻኸሮም

ኣባላት ጉባኤ ንእሙናት ሓለውቲ ብኸመይ ኪርእይዎም ኣለዎም፧

1ተሰ 5:12, 13፣ 1ጢሞ 5:17፣ እብ 13:7, 17

ኤፌ 4:8, 11, 12 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 20:37—ሽማግለታት ኤፌሶን ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘለዎም ፍቕሪ ኻብ ምግላጽ ኣይተቘጠቡን

    • ግብ 28:14-16—ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣብታ ኸተማ ዚነብሩ ኣሕዋት ኪቕበልዎ ኢሎም ኣስታት 65 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ናብ ዕዳጋ ኣጵዩስ መጹ፣ እዚ ኸኣ ንጳውሎስ ብዙሕ ኣተባብዖ